MAP

2025.02.06 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንካህናት ኦርቶዶክሳውያን፣ እምነት ኒቅያ ንኹሎም ክርስትያን ይጥርንፍ! 2025.02.06 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንካህናት ኦርቶዶክሳውያን፣ እምነት ኒቅያ ንኹሎም ክርስትያን ይጥርንፍ!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንካህናት ኦርቶዶክሳውያን፣ እምነት ኒቅያ ንኹሎም ክርስትያን ይጥርንፍ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ መንእሰያት ካህናትን መነኮሳትን ምብራቓውያን ኦርቶዶክሳዊት ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ መንበሪኦም ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ዕለት 6 ለካቲት ዝነበሮም መርሓ ፍጻሜታት መሰረት፣ ምስቶም ካብ ምስራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝመጹ ኣብ ሮማ ናይ መጽናዕቲ ዑደት ዘካይዱ ዘለዉ መንሰያት ካህናትን መነኮክሳትን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “ኣዋጅ ናይ ሓባር እምነትና ቅድሚ ኩሉ ንሓድሕድና ክንፋቐር ይጠልብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እዚ በቢ ዓመቱ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅደስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንመንሰያት ካህናትን መነኮሳትን ምስራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስትያን ዘዳልዎ ናይ መጽናዕቲ ዑደት ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱሰንቶም ነቶም ኣብዚ ሓሙሻይ መጽናዕታዊ ዑደት ዝተሳተፉ ካብ ኣርመንያ፡ ቆብጥን፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ማላንካራን ሶርያን ምስራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝመጹ መንእሰያት ካህናትን መነኮሳትን ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ነቲ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ርክብ ‘ውህበት ንምልውዋጥ ዕድል” እንክብሉ ገሊጾም፥ “እቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ቲዮሎጊያዊ ዘተ፣ ብፍቕሪ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ኣብ እምነት ክንጓዓዝ ዝሕግዝ እዩ” ከም ዝበሉን፣ ለምዘበን መበል 1700 ዓመት ጉባኤ ኒቅያ ክዝከር ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ እዚ ናይ መጀመርታ ኵላዊ ጉባኤ፣ ነቲ ኣብ ኩለን ኣቢያተ ክርስትያን ዝእመን ተኣምኖተ ሃይማኖት ኒቅያ ዘፍረየ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

‘ምልክት’ እምነት ክርስትና

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ትርጉም ናይቲ ኵላዊ ጉባኤ ኒቂያ ዘፍረዮ ተኣምኖተ ሃይማኖት እንከስተንትኑ፣ ብደረጃ ቲዮሎጊያ፡ እቲ እምነት “ንሓድሕዱ ብስኒት ዚመላላእ ቀንዲ ሓቅታት እምነት ክርስትና የቐምጥ” ቢሎም፣

እቲ ኒቅያ ዘፍረዮ ተኣምኖተ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን ዘቖመቶ ናይ መጀመርታ ጽሙር ትእምርቲ ተኣምኖተ ሃይማኖ “ኣብነታውን መዳርግቲ ዘይብሉን” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ኒቂያ ተኣምኖተ ሃይማኖት ዘቖሞ ስነ ዓቅለሲያዊ ንሓቂ እምነትን ኣመንትን ከም ህዝበ ክርስቲያን ዝጥርንፍ ምዃኑ ብምዝኽካር፣ . . . ተኣምኖተ ሃይማኖት ኒቅያ ትስምርቲ መንነትናን ሕብረትናን ዝውክል እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን፡ ሓደ ቁራጽ ናይቲ ትእምርቲ ተኣምኖተ ሃይማኖት ምዃኑ ገሊጾም፥ እዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ክግለጽ ዝኽእል ምስ ኩሎም ካልኦት ክፋላት ምሉእ ብምሉእ ምስ ዝጥርነፍ ጥራይ እዩ፡ ከምቲ “ንሕና ንኣምን” ዝብል መልክዕ ብዙሕነት ዝምስክር ኣብቲ ናይ ኒቅያ ተኣምኖተ ሃይማኖት ዘሎ መበቆላዊ መልክዕ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሕውነታዊ ፍቕሪ ዝድለ ክርስትያናዊ ሓድነት

ተእኣምኖተ ሃይማኖት ኒቅያ ብቐንዱ ንክርስትያን ምስ እግዚኣብሔር ዝጥርንፍ ናይ ምስጋና ጸሎት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። “ሕብረት ምስ እግዚኣብሔር ግድን ኣብ መንጎ እቶም ሓንቲ እምነት እንእውጅ ክርስትያናት ብሓድነት ኢዩ ዝፍጸም . . . ከም ክርስቲያን ናይ ኒቅያ ተኣምኖተ ሃይማኖት ክንናዘዝን እምነትና ክንእውጅ እንኮለና ምስ ናይ ኩሉ ክርትዊያናዊ ትውፉታት ሓድነት ክስምዓና ተማሕጺኖም።

ኣብ ምብራቓዊ ስርዓተ ኣምልኾ ቅድሚ ዝድገም ተኣምኖተ ሃይማኖት፥ "ብሓድነት ኣብ ኣቦን ወልድን ብመንፈስ ቅዱስን ንእምን ምእንቲ ኽንብል ንሓድሕድና ንፋቐር" ዝብል ሓረግ ዝቕድም ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ እቲ ናይ ምስራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስትያን ካህናትን መነኮሳትን ኣብ ሮማ ዘካይድዎ መጽናዕታዊ ዑደት፣ ቤተ - ክርስትያን ናብቲ ኢየሱስ ዝጸለየሉ ምሉእ ሕብረት ገጻ ኣብ እትጓዓዘሎ ዘላ እዋን "ምልክት" ሕብረት ኰይኑ ከገልግል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

2025.02.06 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ መንእሰያት ካህናትን መነኮሳትን ምብራቓውያን ኦርቶዶክሳዊት ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም
07 Feb 2025, 16:54