MAP

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩነታት ጥዕናኦም ይመሓየሽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩነታት ጥዕናኦም ይመሓየሽ   (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩነታት ጥዕናኦም ይመሓየሽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኩነታት ጥዕናኦም ቁሩብ ምምሕያሽ ከምዘርኣየ ናይ ዕለት 26 ለካቲት ምሸትን ወጋሕታ ዕለት 27 ለካቲት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 26 ለካቲት ናብ ዕለት 27 ለካቲት ኣብ ዘሰጋግር ለይቲ ጽቡቕ የዕርፊፎም ከም ዝሓድሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመላኺቱ፣ ጥዕናኦም እውን ብመጠኑ ምምሕያሽ የርእይ ምህላዉ ገሊጹ።

“ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝተራእየ ቅልል ዝበለ ድኽመት ኩላሊትን ዘለዎም ነድሪ ስርዓት እስትንፋስ እውን ምምሕያሽ ከም ዘርኣየን ገና ልዑል ዋሕዚ ኦክስጅን ፍወሳ ይከታተሉ እኳ እንተሃለዉ፣ ክሳብ ረቡዕ ምሸት ግን ኣዝማ ዝመስል ቅልውላው ስርዓተ ምስትንፋስ ከም ዘይጋጠሞም ኣፍሊጢ።

27 Feb 2025, 16:19