MAP

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ደቀባት ባህላዊ መንነቶም ክዕቅቡ መሰል ኣለዎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ደቀባት ባህላዊ መንነቶም ክዕቅቡ መሰል ኣለዎም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ደቀባት ባህላዊ መንነቶም ክዕቅቡ መሰል ኣለዎም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ናብቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዳለወ ብዛዕባ ደቀባት ዝዝትይ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይ ደቅባት ባህላዊ መንነቶምን ብቐረባ ዝተኣሳሰሩሉ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ናይ ምዕቃብ መሰሎም የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ዕለት 10 ለካቲት ዝተኸፍተን ዕለት 11 ለካቲት ዝዛዘም ብናይ ሕቡራት ሃገራት ኣህጉራዊ ማዕከን ንሕርሻዊ ልምዓት (IFAD) ዝተዳለወ ብዛዕባ ደቀባት ዝዝትይ 7ይ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ “መሬትን ማይን መግብን መሸጣ ንብረት ጥራይ ዘይኰነስ መሰረት ህይወትን ምትእስሳር [ደቀባት] ህዝብታት ምስ ተፈጥሮን እዮም” እንክብሉ የዘኻኽሩ።

እቲ “መሰል ርእሰ ውሳኔ ደቀባት፣ መገዲ ውሕስነት መግብን ልዑላውውነት” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ኣብ ሮማ ዕለት 10 ለካቲት ዝተጀመረ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 11 ለካቲት ከም እተዛዘመን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 10 ለካቲት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ደቀባት መንነቶም ናይ ምዕቃብ መሰል ከም ዘለዎም እኳ እንተ ኣረጋገጹ፣ እዚ መሰል እዚ ግን ብሰንኪ እቲ ካብ እተፈላለየ ሃገራትን መንግስታትን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ምግባት መሬት ሕርሻ ኣመና ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ከም ዘሎ ኣብሪሆም፣ እዚ ዝፍጸም ምምንዛዕ መሬት፣ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ብዙሕ ጉድኣት ዘስዕብን መሰል ማሕበረሰባት ክቡር ህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ምዃኑ የመልክቱ።

"ባህሉን መንነቱን ናይ ምዕቃብ መሰል ምክልኻልን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎ ሉዑል ክቡር ዋጋ ኣፍልጦ ምሃብ፡ ከምኡ'ውን ምሕላው ህላወኦምን መነባብሮኦም ኣገደስቲ ዝኾኑ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ይጠልብ" ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣተሓሒዞም፣ ምክልኻል መሰላት ደቀባት ናይ ፍትሒ ጉዳይን ከምኡ’ውን ንኹሉ ሰብኣውነት ዘላቒ መጻኢ ዝውሕስ መንገዲ ምዃኑ ሓቢሮም፣ “ብናይ ሰብኣዊ ስድራቤት ምዃንና ብዘለና ስምዒት ተደሪኽና፡ መጻኢ ወለዶታት ምስቲ ንኢድ ኣምላኽ ኣብ ፍጥረት ዝመርሖ ጽባቐን ሰናይን ዝሰማማዕ ዓለም ከስተማቕሩ ከም ዝኽእሉ ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና፣” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ንውርሻ ደቀባት ብምንኣድ፡ ትውፊት ኣቦታቶም “ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ እዋን፡ ብጽዑቕን ዝተሓላለኸን ብድሆታትን ብዙሕ ወጥሪታትን ዝተለለየ ናይ ተስፋ ኣድማስ” ዝገልጽ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ኣብ መደምደምታ መሰልን ትውፊትን ደቀባት ንምሕላው ዝግበር ጻዕሪ ፍረ ክህልዎ መታን ድማ ከም ዝጽልዩ ኣረጋጊጾም፣ “እዚ ጻዕርታት እዚ ንመራሕቲ ሃገራት ደቅሰብ ነቲ ሓባራዊ ረብሓ ንምርካብ ብሓባር ምእንቲ ኽመላለሱ ግቡእ ስጕምትታት ንኽወስዱ ከም መተባብዒ ክዀኖም ናብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እጽሊ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

11 Feb 2025, 16:10