ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ክብሪ ደቂ ሰባት ምክልኻል፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ምውጋድ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅድሚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎትን ንቕሓትን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ካቶሊካውያንን ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ምዝመዛ ተቓላዕቲ ሰባት ንምምካት እጃሞም ከበርክቱ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ቅድስቲ ዮሴፊን ባኪታ ዝተባህለት ሱዳናዊት ብንእስነታ ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ኮይና ድሒራ ድማ መነኮስ ዝኾነት ቅድስቲ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እትዝክረሉ ዕለት ዝካየድ እውን ምዃኑ የዘኻኽሩ።
ተስፋ ኣብ ቅድሚ ስቓይ ሰብኣውነት
“ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ኣብ ተስፋ ኣብ እተተኩረሉ እዋን፡ ነቶም ኣብ መጻወዲያ ዘመናዊ ጊልያነት ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት፣ ነዚ ተስፋ እዚ ከመይ ገርና ከነብጽሓሎም ከም እንኽእል፡ "ነቲ ኣብ ኣካላት ወድሰብን ኣካሊታትን ዝግበር ንግዲ ጾታዊ ምዝመዛ ኣወዳትን ኣዋልድን ከም ምንዝርና ንግዲ ዕጸ ፋርስ ከምኡውን ንግዲ ኣጽዋር ዝኣመሰሉ ኣገዲድካ ዝግበር ሸቕሊ ንምቅላስ ዝድርኽ ሓድሽ ሓይሊ ኣበይ ኢና እንረክብ?" እንክብሉ ሕቶ ኣቕሪቦም፣ ናይቲ ዘቕረብዎ ሕቶ መልሲ፣ “ክርስቶስ እዩ - ክርስቶስ ነቶም ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝኾኑን ነቶም ነቲ መዓት ንምምካት ዝጽዕሩን እንኮ ሓቀይና ምንጪ ተስፋን ሓይልን ዝህብ እዩ . . . ብሓገዝ ኣምላኽ በደል ካብ ምልምማድ ክንርሕቕን ገሊኡ ተርእዮታት ካብ ሱሩ ኺጠፍእ ኣይክእልን እዩ ቢልና ካብ ምሕሳብ ፈተና ኽንርሕቕን ንኽእል ኢና፣” ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ነቲ ካብ ስቓይ ካልኦት ዝረብሕ ቁጠባውን ገበናውን ኣገባባት ንምቅዋም ብናቱ መንገዲ ክሰርሕ ከምዘለዎ ወሲኾም ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምስማዕን ርህራሄን
ኢየሱስ ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ - ሰባት ዝደሓኑ ገዛእ ርእሶም ክኢሎም ደው ክብሉ ንምሕጋዝ ምስማዕን ርህራሄን ኣገዳሲ ምዃኑ ይምህረና . . . ብዙሓት ካብቶም ኣዝዮም ሓያላት ተቓወምቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት እቶም ኣብ ሓደ እዋን ግዳያት ዝነበሩ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፣ "ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ - ሰባት ዝተሓላለኸን ብቐጻሊ ዝምዕብልን ተርእዮ ኮይኑ፡ ብውግኣት፡ ግጭታት፡ ጥሜትን ሳዕቤናት ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ኣናገደደ ዝኸይድ እውን ምዃኑ ገሊጾም፣ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ - ሰባት ዝወሃብ ምላሽ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ምውህሃድ ኣህጉራውያን ትካላት ኣብ ስሙርን ዓለማውን ጻዕርታት ትኹረት ምሃብ ከጠቓልል ከምዘለዎ ቅዱስነቶም ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ትብዓት ዝመልኦ ኣብነት ቅድስቲ ባኪታ
ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ነቶም ምስ ንግዲ ደቂ - ሰባት ዚቃለሱ ንጻዕርታቶም ንሕድሪ ቅዱስቲ ጆሴፊን ባኪታ ከቕርብዎ ተላብዮም፣ "ብሓባር ብምስራሕን ዓብዪ ጻዕሪ ብምግባርን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ምዝመዛን ደቂ - ሰባት ንምውጋድን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባርን ኩነታት ብምፍጣር ናይ ሓባር ሰብኣውነትናን ሕውነትናን ኣፍልጦ ክንህብ ንኽእል ኢና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።