ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ታሊታ ኩም ንመዓት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምምካት ዘካይዶ ጻዕሪ ይንእዱ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምስ ኣሓት መርበባዊ ማሕበር ታሊታ እተሰምየ ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝደሓኑ ንምክልኻልን ንምውህሃድን ንምድጋፍን ዝሰርሕን ዘነቓቕሕ ካቶሊካዊ ትካልን ኣዳለውቲ ዓለምለኸ መዓልቲ ጸሎት ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን፣ ዕለት 7 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን መንበሪኦም ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ "ንሕሱር ምዝመዛ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ክንጻወሮ የብልናን። ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ - ሰባት፡ ጾታዊ ምዝመዛን ምዝመዛ ጉልበትን፡ ዋላ'ውን ናይ ንኣሽቱ ህጻናት፡ እቲ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዝኸበደን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እዩ" ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ቅድስቲ ባኪታ ጅግንነታዊ ኣብነት
ር.ሊ.ጳ. መበል 11 ኣህጉራዊ መዓልቲ ጸሎትን ንቕሓትን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ - ሰባት ቀዳም ዕለት 8 ለካቲት 2025 ዓ.ም. ከም ዝካየድ ብምዝካር፡ ርክቦም ኣብ ዋዜማ በዓል ናይታ "ግዳይ ናይዚ ዘስካሕክሕ ማሕበራዊ መዓት" ዝነበረት ቅድስቲ ጆሴፊን ባኪታ ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት ዝካየድ እውን ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ኣብቲ ዘስምዕዎ መደረ፣ "ጸጋ ኣምላኽ እቶም ምጕዳል ፍትሕን ዓመጻን ዝወርዶም ነቲ ሰንሰለት ዓመጻ ክሰብርዎን ሓራ ክወጹን ከምኡውን ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ንኻልኦት ልኡኻት ተስፋ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ኣብ ምሕጋዞም ብርታዐ ይህበና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዘይሕለል ዓለማዊ ተርእዮ
ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስዒቦም፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ - ሰባት "ሚልዮናት ግዳያት ዝገብርን ብዘይምቁራጽ ዝቕጽልን ዘሎ ዓለማዊ ተርእዮ" ኮኒኖም፣ "እዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዝኽነ ንግድ ደቂ - ንሰባት ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዘሎ ሕብረተሰብና ንምእታው ብቐጻሊ ሓድሽ መገድታት የናዲ ኣሎ" እንክብሉ ጓሂሆም ይገልጹ።
ነቲ ገበን ንምምካት ሓላፍነት ምቕባል
ኣብ ቅድሚ እዚ መዓት እዚ "ዘይግደሱ ኮይንና ክንነብር የብልናን። ሓይልታትናን ድምጽናን ኣወሃሂድና፡ ነዚ ካብቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝረብሕ ዓይነት ገበን ንምምካት፣ ኩሉ ሰብ ሓላፍነት ክቕበል ጻውዒት ነቕርብ" ቢሎም፣ ታሊታ ኩም እተሰምየ ካቶሊካዊ መርበብ ማሕበራት ደናግል ንዝህቦ ኣገልግሎታ ብፍላይ ምስጋናኦም እንከቕርቡ፡ "ዘሕጋዊ ምስግጋር ደቂ - ሰባት ከብቅዕ መዓልታዊ ምስ ዝዓዪ ማሕበር ብምርኻበይ ሓጎስ ይፈጥረለይ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
"ኣህጉራዊ ጉጅለ ምዃንኩም እፈልጥ እየ፡ ገለ ካባኻትኩም ድማ ኣብዚ ሰሙን ጸሎትን ንቕሓትን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንኽሳተፉ ካብ ርሑቕ ዝተጓዕዙን አመስግን” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ብሓባር ምስራሕን ክንክን ምሃብን ክቕጽል
ብፍሉይ መንገዲ ነቶም እዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ከብቅዕ ልኡካን ኮይኖም ሰባት ንዘንቅሑን ዝሃንጹን መንእሰያት ኣድናቖቶም ገሊጾም፣ ንሳቶም ድማ ብዛዕባ "ክፍኣት" ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንቕሓት ንምዕባይን ሓበሬታ ንምሃብን ሓድሽ መገድታት ኣናመሃዙ ዝዓዩ ምዃኖም ብምዝካር፣ ኣብዚ ኣገልግሉት እዚ ተባዓት ኮይኖም ንቕድሚት ክጓዓዙ ተላብዮም፡ ኣብዚ መርበብ ታሊታ ኩም፡ ነቲ ብዓለም ደረጃን ገና ዝቕጽልን ዘሎ መዓት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ - ሰባት ንምምካት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዝሓብሩ ትካላትን ውልቀሰባትን፡ ግዳያትን ካብ ሞት ዝደሓኑን ሰባት፣ "ቀንዲ ስክፍታኦም ክገብሩ፡ ዛንታታቶም ክሰምዑ፡ ቁስሎም ክከናኸኑን ኣብ ሕብረተሰብ ድምጾም ክስማዕ" ብሓባር ክሰርሑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣
"ልኡኻት ተስፋ ምዃን ማለት ንሱ እዩ፡ ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ብዙሓት ካልኦት ኣብነትኩም ክኽተሉ ድማ ተስፋ እገብር” ቢሎም፡ ንኹሎም ኣብቲ ርክብ ንዝሓበሩ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም፣ ብጸሎቶም ከም ዘስንይዎምን ብምርግጋጽ። “ምእንታይ ድማ ጸልዩ ሓደራ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ክም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።