MAP

ITALY-VATICAN-POPE-HEALTH ITALY-VATICAN-POPE-HEALTH  (AFP or licensors)

ኩነታት ጥዕና ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ ሕክምና ብዝግበረሎም ዘሎ ክንክን ጥዕና ኣብ ደሓን ኩነታት ይርከቡ

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብሰንኪ ዘጋተሞም ኩነታት ጥዕና፣ ረኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋስ ኣብ ሆስፒታል ክንክን ጥዕና ይግበረሎም ኣሎ፣ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕናኦም ብዝምልከት ዝገልጽ ሓበሬታ ካብ ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ድማ ኣብ ደሓን ዝኾነ ኩነታት ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ።

ዜና ቫቲካን

ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ማትዮ ብሩኒ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ፣ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምእታዎም ዘለዉዎ ዅነታት ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከምዚ ክብል ኣመልኪቱ፦ “ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ዝሓለፈ ለይቲ ብጽቡቕ የዕሪፎም ከም ዝሓደሩ፣  እቲ ሕክምናዊ ዅነታቶም ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዝርከብን፣ እቲ ሰብ ሞያ ጥዕና ዝኣዘዙሎም ምርመራታትን መስርሕ መድሓኒታዊ ክንክንን ድማ ይቕጽሉ ኣለዉ ። ትማሊ ንግሆ ቅዱስ ቍርባን ተቐቢሎም፣ ነቲ ብቀጥትዊ መስመር ተሌቪዥን ዝተመሓላለፈ መሥዋዕተ ቅዳሴ ውን ተኸታቲሎም። ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝነበረ ግዜ ድማ ኣብ ንባብን ዕረፍትን ኣሕለፍዎ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቀጻሊ ሕማም ብሮንካይትስ ስለ ዘጋጥሞም ዝሓለፈ ዓርቢ ናብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ኣጎስቲኖ ጀመሊ ኣተዉ ።

ድሕሪ ናይ ሕክምና መርመራ መድሓኒታዊ ሕገዛ ተገብረሎም እንተኾነ ብርቱዕ ዝበሃል ረስኒ ውን የብሎምን።

እቶም ንቅዱስነቶም ዝከታተሉ ዝለዉ ሰብ ሞያ ጥዕና፣ ቅዱስነቶም ንኽሓውዩ "ምሉእ ዕረፍቲ" ኣዚዞምሎም ኣለዉ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብቲ ትማሊ እተኻተደ ኢዮቤትል ስነ-ጥበባውያንን ባህልን ፍሉይ መደባት ንኽሳታፉ ዝነበሮም ኩሉ ሰረዝዎ፣ እቶም ንናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ባህል ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ህየንተ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ሆሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ ድማ ትማሊ ሰንበት ንግሆ ኣብ ክንዲ ቅዱስነቶም ብምዃን መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕረጉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ሰሙናዊ ኣብ ዕለተ ሰንበት፣ ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘመሓላልፍዎ ኣስተንትኖ ከም ፍቓድ ቅዱስነቶም ብመልከእ ጽሑፍ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ትመሓላሊፉ ኢዩ ።

17 Feb 2025, 15:38