MAP

MAP Francis leaves Gemelli hospital in Rome MAP Francis leaves Gemelli hospital in Rome 

መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ሓንቲ ሓዘንተይና ኣደ፦ ኵሉ ሳዕ ኣማላድነት ድንግል ማርያም ሕተቲ

ሓንቲ ወርሓዊ ዝሕተም መጽሔት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ነታ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ወዲ 21 ዓመት ወዳ ብሓደጋ ማኪና ዝሰኣነት ኣደ ንዝለኣኹላ ኣባታዊ መልእኽቲ ምላሽ ከም ዝሃበት ኣመልኪቱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እታ ፓያዛ ሳን ፒትሮ እተሰምየት ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ እትሕተም መጽሔት ሓንቲ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተላእከት መልእኽቲ ኣሕቲማ። ሕታም እዛ ወርሓዊት መጽሔት እዚኣ ከም እተመልከቶ፣ ሓንቲ ብ2019 ወዲ 21 ዓመት ወዳ ብሓደጋ ማኪና ዝሰኣነት ኣደ እተላእከት ደብዳበ ምዃና ኢያ እትገልጽ።

ካብ ሓንቲ ኣደ እተላእከት ደብዳበ

ወ/ሮ ሲንዝያ ኣብቲ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝለኣኸቶ ደብዳበ ንሳን በዓል ቤታትን ድሕሪ ሞት ወዶም ብዛዕባ ዘጋጠሞም ሓዘንን ስቓይን ከምኡ ውን ናይ እምነት ቅልውላውን ተዘንቱ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ እተኸብረ በዓል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ናብ እምነታ ኸም እተመልሰት ትገልጽ፣ ይኹን እምበር በዓል ቤታ ገና ናብ እምነቱ ኣይተመልሰን።

ብስም ወዶም ሓደ ማሕበር ክምስርቱን ምስ ቀይሕ መስቀል ወለንተኛታት ወላ እንተኾኑ፣ ገና ኣብ ልቢ ሲንዝያ ከቢድ ሕቶታት ኢዩ ዘለዋ። ኣብ መደምደምታ እቲ መልእኽታ ድማ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ክትብል ትሓቶም - ኣምላኽ ንወደይ ዘየድሓኖ ስለምንታይ ኢዩ? ኣብ ሰማይ ድዩ ዘሎ ከምኡውን ናይዛ ስድራቤቱ ሓላዊ መልኣኽ ድዩ ንሱ?

ኣባታዊ መልሲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንሓደ ውላዱ ዝሞቶ ሰብ "ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊስካ እትብሎ ቅላት፣ አረ እኳ ደአ ከጸናንዖ ዝኽል ቃላት የልቦን " ብምባል መልእኽቶም ይፍልሙ። ምስእዛ ኣደ እዚኣ ጥቡቅ ቅርበት ከም ዝለዎም ውን ይገልጹላ፣ ንሓንቲ ሰብኣያ ዝሰኣነት ሰበይቲ ወይ ንሓደ ሰበይቱ ዝሞተቶ ሰብኣይ ከምኡ ውን ንወለዶም ዝሞትዎም ውሉድ ዝገልጽ ቃላት ከም ዘሎ ውን የመልክቱ። እንተዀነ ግን ንሓደ "ውሉዱ ንዝሞቶ ወላዲ ግን ዋላ ሓንቲ ቓል የብሉን" ይብሉ ቅዱስ ኣቦና።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንሕቶታታ ቅድሚ ምምልካቶም  "ወትሩ ናብ ኣማላድነት ድንግል ማርያም ተማሕጸኒ" ዝብል ምኽሪ ውን ኣቕረቡላ። ብዛዕባ እቲ ማርያም "ነተን ውሉደን ሓደ መዓልቲ ኻብ ቤተን ወጺኦም ዘይምልሱ ወለዲ ንዘለዎም ስቓይ" እተጸናንዕ ምዃና ብምስትንታን ምእንትኣውን ናብ ድንግል ማርያም ጸለዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንምስቲር ንንጹህ ስቓይ ኣብ ግምት ብምእታው" ንዅሉ መልሲ ኽትረኽበሉ ኸም ዘይትኽእል ውን ገለጹ፣ ማርያም ኣደ ኣምላኽ ንኹሎም ልቦም እተሰብረ ከም እተሰንዮም ድማ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በቲ እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ቃለት ገይሮም ድማ ንሲንዝያን ንሰብኣያን ተስፋ ክገብሩ ኣተባብዕዎም ፣ ከመይሲ "ኣምላኽ ዝበለጸ ሠናይ ክከብረሉ ካብ ዝኽእል ዝዓቢ እከይ የልቦን" ክብሉ ውን ኣጸናንዕዎም።

28 Feb 2025, 16:01