MAP

2025.02.12 Udienza Generale 2025.02.12 Udienza Generale   (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ነቶም ነጋድያትን ተስፋ ዝዀኑ ስምዖንን ሃናን ንምሰሎም

ነቲ ን26 ለካቲት እተመደበ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍንቸስኮ ዘዳለውዎ ብዛዕባ ወፈያ ኢየሱስ ሕጻን ናብ ቤተ መቕደስ ብምስትንታን ንስምዖንን ሃናን ከም ኣርኣያ "ነጋድያን እምነት" ክንመስሎም ይዕድሙና።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ነቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እኳ እንተ ሰረዝዎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ካብ ናይ ሆስፒታል ክፍሎም ነቲ ነዚ ሰሙን እዚ ዘሰናደውዎ ኣስተምህሮ ካብ ምምሕልላፍ ኣየቋረጹን። ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ድማ ነዚ ቅዱስነቶም ዘሰናደውዎ ኣሕቲሙ ዘርግሖ።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብተኸታታሊ ዝገብርዎ ዘለዉ "ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና ኢዩ" ዘርእስቱ ኣስተምህሮታቶም ብምቕጻል፣ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕቲ ልደቱ ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሑ ወለዱ ናብ ቤተ መቕደስ ከም ዘወፈይዎ ዝገልጽ ምስጢር ድማ የስተንትኑ። እዚ ዛንታ እዚ ማርያምን ዮሴፍን ንሕጊ ኣይሁድ ብኸመይ ከም ዝፈጸምዎ ዘርኢ ኮይኑ፣ ንኢየሱስ ምስቲ ኪዳናዊ ስድራቤትን ህዝብን ከም 'ዘሕበርዎ' ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንሳቶም ባዕላቶም "ነቲ ኻብኦም ዚበልጽ ንዘለዎ ጸዋዕታ  ብምስትውዓል" እቲ ህጻን እናዓበዩ ብዝኸደ መጠን ንዕቤቱ ብኸመይ ከም እተኸናኸንዎ እውን ዝገልጽ ኢዩ።

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣቓልቦኦም ናብቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ኽልተ ሰባት ማለት ናብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ስምዖንን ሃናን ብምግባር ኣስተንትኖኦም ቀጸሉ።

ምስክር እምነትን ተስፋን ፍቕርን

እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዘተስፈዎ ተስፋ ኪፍጸም ሃረር ዝብል ዝነበረ ስምዖን ብመንፈስ ተደሪኹ ነቲ ኒየሱስ ሕጻን ክሓቑፎ ተረኽበ፣ ንመድሓኒ እስራኤል ብምርኣዩ ውን ተጸናናንዐ። ነቲ እተሰምዖ ስምዒት እንክገልጽ ድማ "ነታ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ መወዳእታ ናብ ጸሎት ዘሠርክ እትደግማ ጸሎት ኰይና ዘላ ልባዊ ምስጋና ዝመልኣ ጸልት ጸለየ" ኣባኡ ድማ "ኦ ጐይታይ ሕጂ ኸም ቃልካ ባርያኻ ብሰላም ክሰናበት ሕደጐ. . ." ክብል ተረኽበ።

ኣብ ኣስተንትኖኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ስምዖን "ከም ህያብ እተቐበለን ንኻልኦት ዝመሓላለፎን ናይ እምነት ምስክርነት ኢዩ ዝነበረ ፣ . . . ምስክር ናይቲ ዘየሕፍር ረስፋ ውን ኮነ፣ . . . ንልቢ ሰብ ብሓጐስን ብሰላምን ናይ ዚመልእ ምስክር ፍቕሪ ኣምላኽ ውን ኢዩ"።

ተስፋ ኣብ ልብና ኸም ብሓድሽ ይበርህ

እታ ምሉእ ብምሉእ ንኣገልግሎትን ጸሎትን እተወፈየት ሃና ዝተሰምየት መበለት እውን ኣብ ጐድኒ እቲ ህጻን ኢየሱስ ድሕነት ረኣየት። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ሃና ነቲ ሕጻን ምስ ረኣየት "ነቲ ንህዝቡ በቲ ሕጻን እቲ ኣቢሉ እተበጀወን፣ ነቲ ትንቢታዊ ቓል ብልግሲ ብምምሕልላፍ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ቃል ተስፋ ንዝኣተወሎም ኣምላኽ እስራኤል ከተኽብር" ተረኽበት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ በለ - "እቲ ናይ ድሕነት መዝሙር ናይ ክልተ ሽማግለታት ኣዋጅ እልልታ ንዅሎም ህዝብን ንዓለምን ዘጠቓልል ኢዩ ። ተስፋና ክርስቶስ ናብኣ ስለ ዝኣተወ ተስፋ ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ከም ብሓድሽ ኣልባብ ሰባት ነደደ።"

በጋድያን ተስፋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ መደምደምታ ኣስተንትኖኦም ንምእመናን ንኣብነት ስምዖንን ሃናን ክስዕቡ ብምዕዳም “እዞም ነጋድያን ተስፋ” ዝኾኑ ካብቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝረኣዮም ዝነበረ ኣሳጊሮም ክርእዪ ዝኸኣሉ “ንውህበትን ህላዌን ኣምላኽ ብሓጐስ ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበሉ ዝኸኣሉን ኣብ ኣልባብ ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ንተስፋ ዘብርሑ ኢዮም” ክብሉ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

26 Feb 2025, 17:21