ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ብተስፋ ብሓባር ክንጐዓዝ ይጽውዑና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቀንዲ ፍረ ነገር ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዘመነ ጾም ዘሰናደውዎ መልእኽቲ ኣብታ "ብተስፋ ሓቢርና ንጕዓዝ " እትብል ሓረግ ተጠቓሊሉ ይርከብ። እዛ ሓረግ እዚኣ ኸኣ ምስ ዝሰፍሐ ፍረ ነገር ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 - "ነጋድያን ተስፋ" ምስ ዝብል ጥርሖኣ እተተሓሓዘ ኢዩ።
ኣብ መልእኽቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ኣብ ጕዕዞ ንስሓ ኣብ ሰለስተ ቐንዲ መደያት ንስሓ ዘተኰረ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ንግደት ብሓባር ምጕዓዝ ከምኡውን ብተስፋ ምጕዓዝ ዝብል ኢዩ ።
ናይ ህይወት እምነትና ናይ ንስሓ ጕዕዞ ኢዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተጠቒሱ ዘሎ ጕዕዞ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ናብ ምድሪ ተስፋ ኣብ ዝወጹሉ እዋን ብምዝካር ህይወትና እውን ናብ ኣምላኽ ዘተኰረ ጕዕዞ ምዃኑ የዘኻኽሩ።
እዚ ጕዕዞ እዚ ምሳልያዊ ጥራይ ዘይኰነስ "ሓጢኣት ዝመልኦ ኩነታት ሓዲግካ ምኻድ" ከምኡውን ንሰብኣዊ ኽብረትና ዘሕስር ካብ ዘሕስር ኩነት ምርሓቕ ዘጠቓልል ኢዩ።
ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብዚ ዘመነ ጾም ንዝርከቡ ምእመናን ህይወቶም ኪምርምሩ ይምሕጸኑ ኣለዉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ ዕብራውያን "ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ዚወስድ ኣድካሚ መገዲ" ከምኡውን ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ዜጋጥሞም ዘሎ ዅነታት ምምስሳል ከም ዘለዎ ብምግላጽ፣ ነዚ ዘመነ ጾም እዚ ንህይወትና ምስቶም ዝሓሸ ህይወት ንምርካብ ኢሎም ካብ "መከራን ዓመጻን" ኪሃድሙ እተገደዱ ሰባት ብኸመይ ከም እነተሓሕዞ ንኽንሓስበሉ ዝረኸብናዮ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ጌርና ክንጥቀመሉ ይዕድሙና። እዚ ኸኣ "ኩላትና 'ንሕልና ምምርማር' ኢና" ክንግብሮ እንኽእል ክብሉ ጸሓፉ።
"ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ግዜና ንገዛእ ርእሶምን ነቶም ዘፍቅርዎምን ሰባትን ዝሓሸ ህይወት ንምርካብ ካብ ጸበባን ዓመጻን ዝሃድሙ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከይሓሰብና፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘሎ ምስጋር እስራኤላውያን ክንሓስብ ኣጸጋሚ ኢዩ። ስለዚ ኵላትና ኣብዛ ህይወት እዚኣ ነጋድያን ምዃንና ብምግንዛብ ንስሓ ክንገብር ጻውዒት ይቐርበልና ኣሎ።"
ጸዋዕታ ንሓባራዊ ጕዕዞ፦ ጽማሬ ናይ ሲኖዳውነት
ሓደ ኻብቲ መሰረታዊ ጉዳይ መልእኽቲ ዘመነ ጾም ኣብ ማሕበረሰብናብ ኣብ ዘሎና ምትሕብባርን ዘተኰረ እዩ፣ እዚ ኸኣ ክርስትያን ምእመናን በይኖም ኣብ ክንዲ ዝጕዓዙ ብሓባር ኪመላለሱ ኸም ዘለዎም ዚገልጽ ሓሳብ እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ርእስና ጥራይ ክነተኵር ዘይኰነስ፣ ናብ ኣምላኽን ናብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንጥምት እዩ ዚድርኸና" ክብሉ ውን የዘኻኽሩ።
ከምዚ ክብሉ ውን ጸሓፉ - "ብሓባር ምጕዓዝ ክበሃል እንከሎ ነቲ ከም ደቂ ኣምላኽ መጠን ኣብ ሓባራዊ ክብርና ዘሎ ሓድነት ምድልዳል ማለት ኢዩ ።. . . ንወላ ሓደ እኳ ኸይሓደግካ ወይ ከየገለልካ ማለት ኢዩ።"
ምእመናን ድማ ኣብ ስድራ ቤትናን ኣብ ስራሕናን ኣብ ማሕበረሰብናን ሓቢርና ኽንመላለስ ንኽእል እንተ ደአ ኮይና ወይ እንተ ዘይተኻእለና ንኽንሓስብ ሓደ ብድሆ የቕርቡልና ኣለዉ። ንኻልኦት ሓንጐፋይ ኢልና ንቕበሎም ዶ ኣሎና? ነቶም ከም እተገለሉ ዀይኑ ዝስምዖም ሰባት ከ ንቕበሎም ዲና?
"ከም ጳጳሳት ካህናት ምእመናን መጠን፣ ከም ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምግልጋል እተወፈዩ ሰባትን ምእመናንን ኴንና ምስ ካልኦት ንተሓባበር ኣሎና ዶ? ኢልና ኣብ ቅድሚ ጐይታ ንርእስና ንሕተት። ነቶም ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘለዉ ሰባት ብጭቡጥ ተግባራዊ መንገዲ ሓንጐፋይ ኢልና ንቕበሎም ዲና ኢልና ውን ንሕተት። ንኻልኦት ሰባት ክፍሊ ማሕበረሰብና ከም ዝዀኑ ጌርና ንርእዮም ዲና ወይ ከም ካባና ከም ዝርሕቁ ኢና እንገብሮም ክንብል ውን ገዛእ ርእስና ንመርምር።"
ጸዋዕታ ብተስፋ ንምጕዓዝ
እቲ ሳልሳይ መሰረታዊ መዳይ ናይዚ ኣብ ዘመነ ጾም እንገብሮ ጕዕዞ ኣብቲ ኣምላኽ ኣብ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ተስፋ ድሕነትን ዘለኣለማዊ ህይወትን ማለት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ሞትን እተረኽበ ዓወት እተሰረተ ተስፋ ኢዩ።
እዚ ተስፋ እዚ ዘይጭበጥ ዘይኰነስ፣ ብጭቡጥ መገዲ ክንበር ኣለዎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ብሓቂ ንውከል እንተ ደአ ዄንና ገዛእ ርእስና ክንምርምር ውን ይዕድሙና። ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ንኣምን ዲና ወይስ ኣብ መጻወድያ ርእሰ-ምትእምማን ኢና ወዲቕና ዘሎና? ነቲ ኣባና ዘሎ "ፍትሕን ሓድነትን ንምሕላው ሓባራዊት ቤትና ንምክንኻን ከምኡውን ዋላ ሓደ እተገለለ ዀይኑ ብዘይስምዖ መገዲ" ዘነቓቕሓና ተስፋ ብጭቡጥ መገዲ ተኺብና ዶ ኣሎና?
ኣብ መልእኽቶም ቅዱስ ኣቢና ነታ በዓልቲ ኣቪላ ዝኾነት ቅድስቲ ተሬዛ ብምጥቃስ፣ ንምእመናን ቃል ተስፋ ኣምላኽ ኣብ ግዜኡ ኸም ዚፍጸም ብምርዳእ ንቑሓትን ዕጉሳትን ኪዀኑ ይምሕጸኑ ።
"እታ በዓልቲ ኣቪላ ዝኾነት ቅድስቲ ተሬዛ 'ኦ ነፍሰይ ተስፋ ግበሪ። ነታ መዓልቲ ዀነ ነታ ሰዓት ኣይትፈልጥያን ኢኺ። ትዕግስትኺ ኣብቲ ርግጸይና ዝኾነ ከም ትጠራጠሪ እንተ ገብረኪ፣ እቲ ሓጺር ግዜ ነዊሑ እኳ እንተ ተራእየኪ ንቕሒን ብጥንቃቐ ንበርን'ክትብል ጸሓፈት።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ናይ ተስፋ ጕዕዞ እዚ ናብ ኣማላድነት ድንግል ማርያም "ኣደ ተስፋ" ብሕድሪ ብምውፋይ፣ ኣብዚ ናብ በዓል ትንሳኤ እንገብሮ ምስንዳው ከተሰንየና ጸልዮም።