MAP

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዓብይ ቤት ሕክምና ጀመሊ ዘድሊ ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዓብይ ቤት ሕክምና ጀመሊ ዘድሊ ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዓብይ ቤት ሕክምና ጀመሊ ዘድሊ ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘጋጠሞም ሕማም ነድሪ ጉርጉማ ምኽንያት ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ቤት ሕክምና ጀመሊ ዕለት 14 ለካቲት ኣትዮም ሕክምና ይከታተሉ ከም ዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እውን ኣቭ ዝቕጽሉ መዓልታት ዝነበሮም መርሓ ፍጻሜታቶም ከም እተሰጋገረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግረ ቫቲካን

ዕለት 15 ለካቲት ምሸት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሕማም ነድሪ ጉርጉማ ስዒቡ bዘጋጠሞም ናይ ምስትንፋስ ጸገም ምኽንያት ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ቤት ሕክምና ኣጎስቲኖ ጀመሊ ከም ዝኣተዉን መርመራታት ተገይሩሎምን ዘድሊ ክንክን ጥዕና ይወሃቦም ከም ዘሎን ኣፍሊጡ፣ "ናይ መጀመርታ መርመራታት ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስ ከምዘለዎም ዘመልክት ከም ዝኾነን ብጀካ ሰዓል ኩነታቱ ጥዕናኦም እውን ደሓን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ብሩኒ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣስዒቢ፣ "ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤት ሕክምና ድሕሪ ምእታዎም፡ ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ዘለዎም መርሓ ፍጻመታት ምትዕርራይ ክግበር ከም ዝደረኸን ሓቢሩ፡ ንኣብነት "እቲ ዕለት 15 ለካቲት ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ንስነ ጥበባውያንን ናይ ባህሊ ኣካላትን ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ከም እተሰጋገረን እቲ ንሰንበት ዕለት 16 ለካቲት ንስነ ጥበባውያንን ናይ ባህልን ኣካላት ዘሳተፈ ቅዱስነቶም ከዕርገዎ ዝነበሮም መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ብናይ ቅድስቲ መንበር ባህልን ትምህርትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኾሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ ዝዓርግ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ፡ እቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቺነቺታ እተሰምየ ሲነማ ዝቕረጸሉ ስፍራ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ስነ -ጥበባውያን ከካይድዎ ዝነበሮም መደብ ከም እተሰረዘ የፍልጡ።

15 Feb 2025, 17:45