ኵነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጽኑዕ እኳ እንተ ኾነ ኣብ ርጉእ ኩነታት ኢዮም ዘለው
ዜና ቫቲካን
ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ዕለት 25 ለካቲት ምሸት ዝተዋህበ መግለሲ፣ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብሳላ እተገብረሎም ሕክማናዊ ክንክን ኣብ ምምሕያሽ ከም ዘሎም እንከመልክት፦
"ናይ ቅዱስ ኣቦ ጥዕና ጽኑዕ ግን ከኣ ኣብ ደሓን ኩነታት ኢዩ። ኣብ ሥርዓተ ምስትንፋስ ከቢድ ሓድሽ ጸገማት ኣየጋጠሞምን፣ እቲ እተገብረሎም ናይ ሄሞዳይናሚክ መርመራ እተገብረሎም መርመራ ድማ ኣብ ምምሕያሽ ከም ዘሎ ኢዩ ዘመልክት።
ትማሊ ምሸት ነቲ ዝነበሮም ረኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋስ ንምፍላጥ መርመራ ሲ.ቲ. ስካን ተገብረሎም። እቲ ምርመራ ድማ ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዘለዉ ኢዩ ዘርኢ ዘሎ።” ክብል ኣመልኪቱ።
ወሲኹ ድማ “ትማሊ ንግሆ ቅዱስ ቍርባን ድሕሪ ምቕባሎም ዕለታዊ ዕዮኦም ቀጺሎም ወዓሉ።”
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ እቲ ዘጓነፎም ሕማም ብሮንካይትስ ዓርቢ ዕለት 14 ለካቲት ናብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ኣጎስቲኖ ጀመሊ ካብ ዝኣተወሉ ግዜ ኣትሒዞም፣ ኣብ መዓልቲ ኽልተ ሳዕ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕናኦም እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የውጽእ ኣሎ።
ቅዱስነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ግቡእ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይረኽቡ ኢዮም ዘለዉ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ከኣ እተገብረሎም መርመራታት ብዛዕባ ጥዕናኦም ከም ዝሕብሮ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ከም ዘሎን ምልክታት ድኽመት ናይ ኵላሊት ከም ዘለዎምን ኢዩ ዘመልክት።
ዝሓለፈ ሰኑይ ምሸት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ከቢድ ኵነታት እኳ እንተ ነበሩ፣ ቍሩብ ምምሕያሽ ከም ዝገበሩ ዝሕብር መግለጺ ውን ተዋሂቡ ኣሎ። "ከምቲ [ዝሓለፈ ሰኑይ] ዘጋጠሞም ኣስማ ዝኣመሰል ናይ ሥርዓተ ምስንትንፋስ ጭንቀት ውን ክሳብ ሕጂ ኣይተራእዮምን ዘሎ፣ ገሊኡ እተገብረሎም መርመራታት እውን ምምሕያሽ ከም ዝገብሩ ዘለዉ ኢዩ ዘመላኽት። ነቲ ዝርአ ዘሎ ትሑት ዝኾነ ድኽመት ኵላሊት ንምቍጽጻር ድማ ዋላ ሓንቲ ዘሻቕል ኩነታት ኣኮነን ዘሎ። መጠን ኣብ ደሞም ዘሎ ኦክስጅንን ቍሩብ እኳ እንተ ነከየ እቲ ዝግበረሎም ዘሎ ሕገዛ ኦክስጅን ድማ ይቕጽል ኣሎ።"
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ከም ዘመልክቶ ብሰንኪ እቲ ዝረአ ዘሎ "ሕልኽላኻት ጥዕናኦም" ሓካይም "ብጥንቃቐ" ኢዮም ዝከታተልዎም ዘለዉ።
ሎሚ ረቡዕ ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮሜ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ጽቡቕ ከም ዝሓደሩን ኵነታት ጥዕናኦም ጽኑዕ እኳ እንተኾነ ኣብ ርጉእ ኩነታት ከም ዘለዉ እቲ ካብ ቅድስቲ መንበር ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ መግለሲ ኣመልኪቱ።
"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሰላም ዝሰፈኖ ጽቡቕ ለይቲ ሓዲሮም የዕርፉ ኢዮም ዘለዉ" ብምባል እቲ ናይ ቅዱስ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝሃቦ መግለጺ የመላኽት።