MAP

Situazione stabile per il Papa, stamattina nuove analisi Situazione stabile per il Papa, stamattina nuove analisi  (ANSA)

ዅነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጻሊ ምምሕያሽ ከም ይገብር ከም ዘሎ ተረጋጊጹ

ትማሊ ሓሙስ ምሸት ካብ ቤት ጽሕፈት ዜና ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፣ ኵነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቀጻሊ ምምሕያሽ የርኢ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ። እቲ ዝወስድዎ ዘለዉ መድሓኒታት ቅድሚ ምምቅዑ ተወሳኺ መዓልትታት ሕክምናዊ ክንክን ከም ዘድሊ ውን ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን

እቲ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕተም ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር እተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በቲ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ዝግበረሎም ዘሎ ክንክን ጥዕና ጽቡቕ ውጽኢት ከም ዝበረሎም ኣመልኪቱ። ቅዱስነቶም ድሕቲ ዘጋተሞም ሕማም ብሮንካይትስ ዓርቢ ዕለት 14 ለካቲት ናብ ሆስፒታል ከመሊ ኣትዮም ይርከቡ ኣለዉ። እቲ ትማሊ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ድማ ከምዚ ክብል የመልክት፦

“እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሕክምናዊ ከም ዘመልክቶ ጽቡቅ ምምሕያሽ ይገብሩ ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

እቲ ክገብረሎም ዝጸንሐ ሕገዛ ልዑል መጠን ኦክስጅን ድማ ብናይ ኦክስጅን ጭምብል ተቀይሩ ኣሎ። እቲ ዝገብርዎ ሕክምናዊ መርመራታት ገለ ሕልኽላኻት ስለ ዘለዎ ነቲ ውጽኢት ምርመራታቶም ንምንጻር ተወሳኺ መዓልትታት ሕክምናዊ ክንግክን ውን የድልዮም ኣሎ።

ትማሊ ንግሆ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሥርዓተ ምስትንፋስ ግለ ፊዝዮተራፒ ድሕሪ ብምግባር የዕሪፎም ኢዮም ዝወዓሉ። ድሕሪ ቐትሪ ተወሳኺ ፊዝዮተራፒ ውን ተገብረሎም ኣስዒቦም ድማ ኣብቲ ኣብ 10ይ ደርቢ ዚርከብ ቤት ጸሎት ናይ ብሕቲ ክፍሎም ግላዊ ናይ ጸሎት ግዜ ኣሕሊፎም፣ ኣብኡ ድማ ቅዱስ ቍርባን ተቐበሉ። ድሕሪዚ ኣብ ገለ ናይ ስራሕ ንጥፈታት ተጸሚዶም ኣምሰዩ።”

ጸብጻባት ከም ዚሕብርዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቲ ዝነበርዎ ኩነታት ኣብ ጽቡቕ ደረጃ እኳ እንተ ሃለዉ  ኵነታቱ ጥዕናኦም ግና ገና እተሓላለኸ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቲ ክግበረሎም ዝጸንሐ ሕክምናዊ ክንክን ጌና ኣየብትዐን ዘሎ።

እቲ ትማሊ ሓሙስ ንግሆ ንጋዜጠኛታት እተዋህበ ምበግለጺ ከም ዘመልከቶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጽቡቕ ደቂሶም ከም ዝሓደሩን፣ ንግሆ ካብ ዓራቶም ተንሲኦም ኣብ ምንበሮም ኮፍ ኢሎም ከም ዝወዓሉን ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብ ጽቡቅ ኩነታት ከም ዘለዉን መንፈሶም ዝተረጋእአ ምኹኑን ውን የመላኽት።

ትማሊ ሓሙስ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣብ ዝሃቦ ኻልእ መግለጺ እቲ ንቀዳም ዕለት 1 መጋቢት ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ዓመተ ኢዮቤል ከም እተሰረዘ ውን ገሊጹ።

ሎሚ ንግሆ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝተዋህበ በግለሲ ድማ ቅዱስ ኣቦ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ለይቲ ኣብ ሆስፒታል ካብ ዘሕልፍዎ ዘለዎ ጽቡቅ ከም ዝሓደሩ የመላኽት

28 Feb 2025, 16:03