MAP

ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ምብጻሕ መራሒት መንግስቲ ኢጣሊያ ናብ ቅዱስነቶም ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ምብጻሕ መራሒት መንግስቲ ኢጣሊያ ናብ ቅዱስነቶም  (AFP or licensors)

ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ምብጻሕ መራሒት መንግስቲ ኢጣሊያ ናብ ቅዱስነቶም

መራሒት መንግስቲ ኢጣልያ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ሆስፒታል ኣጎስቲኖ ጀመሊ ኣብ ሕክምና ንዝርከቡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከም ዝበጸሐቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

ዕለት 19 ለካቲት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ሕክምና ዝኣተዉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኽትበጽሖም ንዝመጸት ናይ ኢጣሊያ መራሒት መንግስቲ ጆርጃ መሎኒ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን መራሒ መንግስቲ ኢጣሊያ ብስማን ብስም መንግስቲ ሃገረ ኢጣሊያ ብቕሉጥፍ ክሓውዩ ምንዮታ ከም ዝገለጸትሎምን ድሕሪ እቲ ርክብ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ "ቅዱስነቶም ደሓን ከምዘለዉ ምርኣየ ብዙሕ ተሓጒሰ . . .” ከም ዝበለት ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም "ህዱእ ለይቲ" ከም ዘሐልፉ ኣብቲ ምሸት ዕለት 19 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመላኺቱ፣ ሎሚ ምስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ላዕለዎት ኣካላት ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ከም ተራኸቡ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ዝወሃቦም ዘሎ ሕክምናዊ ክንክን ጥዕና ይቕጽሉ ከም ዘሎን፣ ጥዕናኦም ርጉእ ምዃኑን ናይ ዝግበረሎም ዘሎ መርመራታት ውጽኢታት እውን ዘጋጠሞም ነድሪ ጉርጉማ እውን ቁሩብ ምምሕያሽ ከም ዘርኣየን ድሕሪ ቐትሩ ቅድሚ ምሳሕ ቅዱስ ቁርባን ከም እተቐብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጡ።

20 Feb 2025, 16:16