ጸብጻብ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ዜና ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣብ ሓደጋ ሞት” ኣይኮኑን፣ እንተኾነ ግን ምሉእ ብምሉእ “ካብ ሓደጋ” ከምዘይወጹ’ውን ጥዕና ቅዱስነቶም ናይ ዝከታተል ጉጅለ ሓኻይም ሓላፊ ዶክተር ሰርጆ ኣልፊየሪ ብሓባር ምስ ናይ ቫቲካን ጉዳያት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ምኽትል ሓላፊ ዶክተር ልዊጂ ካርቦነ ዕለት 21 ለካቲት ምሸት ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፣ ር.ሊ.ጳ. "ብውሑዱ" ንዝቕጽል ሰሙን ምሉእ ኣብቲ ቤት ሕክምና ክጸንሑ ምዃኖም ኣፍሊጦም።
ዶክተር ኣልፊየሪ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣስዒቦም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዘይ ገለ ናይ ሕክምና መሳርሒ ዝተንፍሱ እኳ እንተኾነ፣ ናይ ኣተንፈፋፍሳኦም ስርዓት ቁሩብ ቃልሲ ዘለዎ ስለ ዝመስልን፡ ኣዚ ድማ ንኣካላዊ ምንቅስቓስ ድሩት ዝገብሮ እውን እንተኾነ፣ ዝኾነ ይኹን ንመተንፈሲ ዝሕግዝ መሳርሒ ከም ዘይጥቀሙ የረጋግጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮፍ ኢሎም ይሰርሑን ከምቲ ኩሉ ግዜ ድማ ዝዋዘዩን ምዃኖም ዶክተር ኣልፊየሪ ገሊጾም፣ ሓደ ካብቶም ጥዕናኦም ዝከታተሉ ሓኻይም፣ “ሰላም ቅዱስ ኣቦና” ከመይ ሓዲርኩም እንክብል ሰላምታ ምስ ኣቕረበሎም፣ ቅዱስነቶም ድማ ብተራኦም ሰላም ከመይ ትሓደር ቅዱስ ወደይ እንክብሉ ከም ዘምለስሉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።
እቲ ዝዓበየ ኣብ ኩነታት ጥዕና ቅዱስነቶም ዘፈርሕ እንታይ ምዃኑ ሓደ ጋዜጠይና ንዶክተር ኣልፊየሪ ምስ ሓተቶም፥ ብርግጽ ኣብ ስርዓተ ምስትንፋስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝርከቡ ረቂቕቲ ተህዋስያን ናብ ደም ኣትዮም ቁስሊ ከየስዕቡ ዝብል ሓደጋ ከምዘሎ ኣነጺሮም፥ ቅዱሰንቶም ዝወሃቦም ዘሎ ኣገባባት ክንክን ጥዕና ወዲኦም ካብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ወጺኦም ናብ ሃገረ ቫቲካን መንበሪኦም ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ከም ዝምለሱ ርግጸይና ኮይኖኦም ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ይዛረቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝወሃቦም ዘሎ ሕክምናዊ ፍወሳ ብግቡእ ኣካሎም እወታዊ መልሲ ይህብ ምህላዉ ዶክተር ኣልፊየሪ ከም ዘረጋገጹ እውን ዜና ቫቲካን ይሕብር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 22 ለካቲት ንግሆ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልዋም ለይቲ ከም ዘሕለፉን፣ “ኣብ ሓደጋ ሞት” ከምዘየለዉን፡ እንተኾነ ግን ምሉእ ብምሉእ “ካብ ሓደጋ” ከምዘይወጹን ኣረጋጊጾም፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሎም ይሰርሑ ከም ዘለዉ እውን የመላኽቱ።