ናይ ወርሒ ለካቲት 2025 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዕለት 4 ለካቲት ኣብ ዝተፈነወ ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍዎ ናይ ወርሒ ለካቲት 2025 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ “ዓቕለሲያዊ ማሕበረሰብ ድሌታትን ጥርጣረታትን ናይቶም ተልእኾ ኢየሱስ ኣብ ሕይወቶም ወይ ብክህነታዊ ጸዋዕታ ወይ ብገዳማዊ ጸዋዕታ ሰብ ውፉይ ሕይወት ንኽነብርዎ ዝተጸውዑ ኮይኑ ዝስምዖም መንእሰያት ክቕበሎ ንጸሊ” እንክብሉ፣ መንእሰያት ነቲ እግዚኣብሔር ዘቕርበሎም ጽዋዕታ ክህነትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ሓንጎፋይ ቢሎም ክቕበሉ፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት ምእመናንን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ እዚ ክሰምሩ ይዕድሙ።
"ሓደ መዓልቲ ናብ ቤተ - ክርስትያን ኣተኹ። . . . ኣብኡ ኣምላኽ ድማ ይጽበየኒ ነይሩ" ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣስዒቦም፡ ኣምላኽ ንብዙሓት መንእሰያት ብክህነታዊ ጽዋዕታ ወይ ብገዳማዊ ጸዋዕታ ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣቢሎም ንህዝቡ ብተወፋይነት ንኸገልግሉ ከም ዝጽውዖም የዘኻኽሩ።
"ኣምላኽ ሎሚ እውን ከይተረፈ ንመንእሰያት ይጽውዕ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ክንግምቶ ብዘይንኽእል መገዲ ኢዩ ዝጽውዓና። . . . ሓድሓደ ግዜ ብናይ ገዛእ ርእስና ነገራት ብናይ ገዛእ ርእስና መደባት አረ ኣብ ቤተ ክርስትያን እውን ከይተረፈ ብናይ ገዛእ ርእስና ነገራት ትሑዛት ስለ ዝዀንና ኣይንሰምዕን ኢና።"
መንፈስ ቅዱስ፣ ንልቢ መንእሰያት ሕሹኽ ብምባል ነቲ እግዚኣብሔር ንሕይወትና ዝሓንጸጾ መደብ ይገልጽ።
ዕማም ካቶሊካውያን፡ ነቲ ናይ ገዳማዊ ጽዋዕታ ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝቐርብ ጸዋዕታ ፍቓደይናታትን ብቑዓትን ኮይኖም ምእንቲ ክቕበልዎ፡ መንፈሳዊ ጉዕዞኦም ብግቡ ክነብሩ ሓቲቶም፥
“ኣብ መንሰያት እምነት ይሃልወና! . . . ልዕሊ ኹሉ ድማ ኣብቲ ዝጽውዕ ኣምላኽ ንወከል!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።