MAP

ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ርጉእ ምዃኑን ረስኒ እውን ከም ዘይብሎም ተሓቢሩ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ርጉእ ምዃኑን ረስኒ እውን ከም ዘይብሎም ተሓቢሩ  (ANSA)

ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ርጉእ ምዃኑን ረስኒ እውን ከም ዘይብሎም ተሓቢሩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 17 ለካቲት ምሸት ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ርጉእ ምዃኑን ረስኒ እውን ከም ዘይብሎም ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

እቲ ዝከታተልዎም ዘለዉ ሓኻይም ዝኣዘዙሎም ምርመራታትን መስርሕ መድሓኒታዊ ክንክንን ብግቡእ ይከተተሉ ከምዘለዉን ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት ጥዕና ድማ ከም ዝርከቡን፣ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 17 ለካቲት ምሸት ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፣ ቅዱስነቶም ዘጋጠሞም ሕማም ነድሪ ጉርጉማ (ብሮንካይትስ) ምኽንያት ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 14 ለካቲት ሮማ ኣብ ርከብ ዓቢይ ቤት ሕክምና ኣጎስቲኖ ጀመሊ ካብ ዝኣተዉ ንደሓር ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕናኦም ዘድሊ ሓበሬታ ዘቕርብ ኮይኑ፣ ኣብቲ ዕለት 17 ለካቲት ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኩነታት ጥዕናኦም ርጉእ ከም ዝኾነን ንግሆ ቅዱስ ቁርባን ከም እተቐበሉን ድሕሪኡ ገለ ገለ ስራሕን ንባባትን ከም ዘካየዱ ይሕብር።

እቲ መግለጺ ወሲኹ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብዚ ቐረባ ሰዓታት ዝበጽሖም ዘሎ ሓያሎ ናይ ፍቕርን ቅርበትን ሰናይ ምንዮት ቅልጡፍ ምሕዋን መልእኽትታት ኣዚዮም ከም እተተንከፉን፣ ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ተዓቝቦም ዘለዉ፣ ስለቲ ብስእልታትን መልእኽትታትን ዘመሓላልፍሎም ናይ ሰናይ ትምኒትን ፍቕርን ቅርበትን መግለጺ ፍሉይ ምስጋና ኣቕሪቦም፣ “ኣብ ጸሎት ድማ ንዘኻኸር” ከም ዝበሉ ሓቢሩ፣ ዕለት 19 ለካቲት ከቕርብዎ ዝነበሮም ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻው ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ መደብ ከምዝተሰረዘ የረጋግጽ።

18 Feb 2025, 16:40