ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዓልቲ ኢዮቤል ንሓይሊ ምክልኻል፡ ተባዓት መሰኻኽር ፍቕሪ ኣምላኽ ኩኑ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ፥ ንሓይሊ ምክልኻልን ሓይሊ ጸጥታን ዝተወፈየ ካብ ዕለት 8 - 9 ዝተኻየደ መዓልቲ ኢዮቤል መዛዘሚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 9 ለካቲት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 5, 1 – 11 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም ኣብ ስለገስዎ ስብከት፣ መሰኻኽር ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኩኑ . . .” እንክብሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋ ኩሉ ዝጠፍአ ኣብ ዝመስለሉ እዋን ዝቕጽልን ዘየሕፍርን እዩ
ኣብ ማእከል እቶም ብዙሓት ሰብ እኳ ኸይተረፈ ናብ ገምገም ባሕሪ ዚቐርባ ዝነበራ ኽልተ ጃላቡ ኸምኡውን እቶም ብከንቱ ዝደኸሙ፣ ነቲ ጥርሑ ዝነበረ መርበቦም ዚሓጽቡ ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ኸም ዘጕሃዮ ኣስተውዓለ። “ኢየሱስ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝደንገጸሎ ድማ ኣጒሊሖም፣ እቲ ኢየሱስ ዘረጋግጸልና ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ቅርበትን ርህራሄን ወትሩ ኽንርስዕ የብልናን፣” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
ር.ሊ.ጳ. ብኻልዳይ ደረጃ ኢየሱስ ናይቶም ገፈፍቲ ዓሳ ዝነብርዎ ዝነበረ ተስፋ ምቑራጽ ይጥምት፡ ኣብቲ ስምዖን ዝነበሮ ናይ ተስፋ ምቑራጽን ከንቱነትን ስምዒት ይካፈል፣ . . . ኢየሱስ “ከምቲ ንሕና ብዙሕ ግዜ እንገብሮ፡ ነገራት ክበላሾ እንከሎ፡ ኰፍ ኢሉ ዝዕዘብ ኣይኮነ፡ ደሓር ከኣ ኣየማርርን እዩ . . . ኣብ ክንድኡስ፡ ተበግሶ ወሲዱ ናብ ስምዖን ቀሪቡ፡ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ምስኡ ግዜ ከሕልፍ፣ ኣብታ ለይቲ ድማ ኣብታ ብጸገማት ዝመልአት እትመስል ናይ ህይወት ኣድሕን ጃልባ ክድይብ እዩ ዝመረጸ።”
ሳልሳይ ኢየሱስ ኣብ ጀልባ ምስ ኣተወ ኮፍ ኢሉ ክምህር ከም ዝጀነረ ገሊጾም፣ ኢየሱስ ኣብ ኣዒንትን ኣልባብን እቶም ገፈፍቲ ዓሳ በቲ ፍረ ዘይብሉ ለይቲ ዝወረዶም ተስፋ ምቝራጽ እናጠመተ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ናብታ ጸልማት ለይቲ ጓሂ ብርሃን ንምምጻእ ህይወት እውን ከይተረፈ ጽባቐ ኣምላኽ ንምእዋጅ ከምኡውን ኵሉ ነገር ክጠፍእ ከሎ እውን ከይተረፈ ተስፋ ከም ዝጸንዕ ንምርግጋጽ ናብታ ጃልባ ኣተወ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተኣምር ይፍጸም
"ጐይታ ነቲ ብቐጻሊ ዘሰንየናን ዝድግፈናን ብስራት ፍቕሪ ኣምላኽ ከብጽሓልና ናብ ጃልባ ሕይወትና ምስ ኣተወ፡ ህይወት ከም ብሓድሽ ትጅምር፡ ተስፋ ዳግማይ ትውለድ፡ ኣባና ኒሕ ይበራበር፡ ዳግማይ መርበብና ናብ ባሕሪ ክንድርቢ ንኽእል" . . . በዚ መንፈስ እዚ ቅዱስነቶም ንኹሎም እቶም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ሰበስልጣንን ኣዘዝቲ ሓይሊ ምልክኻልን ሓይሊ ጸጥታን ወተሃደራዊ ማሕበራትን ኣባይቲ ህንጸት ሓይሊ ምልክኻል ኣባላትን ከምኡ’ውን ሊቀ ጳጳሳት ሓይሊ ምልክኻልን ናይ ሓይሊ ምክልኻል ጓሶት ካህናትን ስለ ኣገልግሎቶም ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
መለለዪዅም ትብዓት እዩ
"ኩላትኩም ንብዙሕ መዳያት ማሕበራውን ፖለቲካውን ህይወት ዝሓቖፈ ልዑል ተልእኾ ተዋሂቡኩም ኣሎ፡ ማለት ንህዝቢ ምሕላው፡ ድሕነትን ጸጥታን ውሑስ ንምግባር፡ ሕጋውነትን ፍትሕን ንምድጋፍ" ዝብል ምዃኑ ድማ ኣዘኻኺሮም፣ ኣተሓሒዞም "እቲ ወተህደራዊ ክዳንኩም፡ እቲ ዝቐረጸኩም ስነ - ስርዓት፡ እቲ መለለዪኹም ዝኾነ ትብዓት፣ እቲ ዝገበርክምዎ ማሕላ - እዚ ኩሉ ንእከይ ኣለሊኻ ንምሕባር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብታ ብህቦብላ ዝተናወጸት ጃልባ ደይብኩም ነታ መርከብ ምስ ኣኻውሕ ከይትላተም እተዓዪ እውን ምዃንኩም ዝምክስክር እዩ እሞ ነዚ ኣይትረስዑ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ "ምኽንያቱ ኣብ ከተማታትናን ከባቢናን ሕግን ስርዓትን ንምድጋፍ ህላወኹምን፡ ከምኡ'ውን ናይቶም ተቓላዕትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ሓላፍነት ምውሳድኩም፡ ንኹላትና ትምህርቲ ኮይኑ ከገልግል ስለ ዝኽእል፣ ሰናይ ነገር ኣብ ልዕሊ ኩሉ ክዕወት ከም ዝኽእል ዝምህረና እውን እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ቅዱሳን ካህናት
ነቶም ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ሓይሊ ጸጥታን ዘሰንዩ ጓሶት እናሓሰቡ፥ "ስርሖም (ኣገልግሎቶም) - ከምቲ ኣብ ታሪኽ ሓድሓደ ግዜ ብዘሕዝን ኩነታት ዘጋጠመ - ንተግባራት ውግእ ንምብራኽ ኣይኮነን” እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፡ እንታይ ደኣ ካህናት ኣብ መንጎ ሓይሊ ምክልኻልን ሓይሊ ጸጥታን፥ "ከም ህላወ ክርስቶስ ኣብ ማእከል ምዃን እዮ፡ ንሱ ኣብ ጎንኹም ክመላለስ ዝደሊ፣ ዝሰምዓኩምን፡ ወትሩ ከም ብሓድሽ ክትብገሱ ከተባብዓኩምን ኣብ መዓልታዊ ኣገልግሎትኩም ክድግፈኩምን" እዩ ቢሎም፣ ከም ምንጪ ግብረ ገባውን መንፈሳውን ደገፍ፡ ካህናት፥ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ የሰንዩኹምን ብመንጽር ወንጌልን ኣብ ምድላይ ሓባራዊ ረብሓን ተልእኾኹም ክትፍጽሙ ይሕግዝኹምን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ምስጋና፡ ንቕሓት፡ ከምኡ’ውን ዓቢ ውልቃዊ መስዋእትነት
ቅዱሰንቶም ንኹሎም ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ሓይሊ ጸጥታን፥ ስለ ኩሉ ዝህብዎ ኣገልግሎት፡ ሓደሓደ ግዜ እውን ክሳብ መስዋዕትነት ዝሓትት . . . ነመስግነኩም፡ ኣብተን ብህቦብላ ዝናወጻ ጀላቡና ብምድያብ፡ ትከላኸሉልናን ካብ መስመር ከይንወጽ ስለ እተተባብዑናን የቐንየልና" ምስ በሉ፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፣ ዕላማ ኣገልግሎትኩምን ኩሉ ንጥፈታትኩምን ማለት ህይወት ንምድንፋዕ፣ ህይወት ንምድሓን፣ ቀጻሊ ተሓላቒ ሕይወት ካብ ምዃን ፈጺምኩም ኣይተንሳሕቡ” ምስ በሉ፣ "ናይ ውግእ መንፈስ ንምኹስኳስ ጽምኣት ካብ ዘለዎ ፈተና ንቑሓት ኩኑ። ብናይ ስልጣን ምትላልን ኣጽዋርን ከይትድረኹ ንቑሓት ኩኑ . . . ጽልኢ ዘስርጽ፡ ንዓለም ኣብ ክትከላኸለሉ ዘለካ ሓውኻን ሓብትኻን ኣንጻር ከም ጸላኢ ምርኣይ ብዝብል ፕሮፓጋንዳ ከይትመረዙ ተጠንቀቕ . . . ኣብ ክንድኡስ "ኩላትና ኣሕዋት ክንከውን ናይ ዝደሊ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣቦና ተባዓት መሰኻኽር ኩኑ። እምበኣር ብሓባር ናይ ሓድሽ ዘመን ሰላምን ፍትሕን ሕውነትን ስነ ጥበባውያን ክንከውን ንበገስ" እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።