MAP

ር.ሊ.ጳ. ንቅድስቲ መንበር ዝወሃብ ወፈያ ዘመሓድር ሽማግለ ኣቝይሞም ር.ሊ.ጳ. ንቅድስቲ መንበር ዝወሃብ ወፈያ ዘመሓድር ሽማግለ ኣቝይሞም  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ንቅድስቲ መንበር ዝወሃብ ወፈያ ዘመሓድር ሽማግለ ኣቝይሞም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ምእመናንን ጉባኤ ጳጳሳትን ካልኦት ገበርቲ ሰናይን ንቕድስቲ መንበር ዝገብዎ ኣበርክቶ ንምትብባዕን ነዚ ጉዳይ እዚ ዝከታተልን ፍልዩ ሽማግለ ከም ዘቖሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ለካቲት 2025 ዓ.ም. ኣብቲ ብኢዶም ዝጸሓፍዎ ናይ ውሳነ ሰነድ፥ ወፈያታት ንምትብባዕ ዝድግፍን ነዚ ወፈያያታት እዚ ዝከታተልን ‘Commissio de donationibus pro Sancta Sede - ሽማግለ ወፈያታት ንቕድስቲ መንበር’ ከም ዘቖሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቀንዲ ዕማማ ናይቲ ሽማግለ ድማ ኣብ መንጎ ምእመናን ጉባኤ ጳጳሳትን ካልኦት ገበርቲ ሰናይን ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ወፍሪ ብምክያድ ንተልእኾን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይን ቅድስቲ መንበር ዝገብርዎ ወፈያታት ኣገዳስነቱ ምጉላሕ ዝብል ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣

ብተወሳኺ እቲ ሽማግለ ብትካላት ኩርያ ሮማናን ኣመሓዳሪ ከተማ ቫቲካንን ንዝቐረቡ ፍሉያት ውጥናት ካብ ወለንተይናታት ለገስቲ ምወላ ክሓትት ከም ዝኽእል ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ውሳነ ኣነጺሮም፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ብመሰረት ዝጸንሐ ስርዓት ናይ ነፍሲ ወከፍ ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ኩርያ ሮማናን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ናጽነትን ሓላፍነትን ዘኽብር እውን ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።

ብገምጋሚ ዝምራሕ - ሽማግለ

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ሽማግ ጉዳያት ወፈያ ንቕድስቲ መንበር፣ ሓሙሽተ ኣባላት (ዝበዝሐ ሽዱሽተ ኣባላት ዘለዎም) ዝሓቖፈ ኮይኑ፣ ናይዚ ሽማግለ ኣቦ መንበር ድማ ኣብ ቤት ምሕደራ ሃገረ ቫቲካን ሓላፊ ሓፈሻዊ ጉዳያት የኔታ ሮበርቶ ካምፒሲ፡ ካልኦት ኣባላት ናይዚ ሽማግለ ድማ፣ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፍላቪዮ ፓቸን፣ ናይ ውድሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት እናቴ ኣለሳንድራ ስመሪሊን፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ንብረታት ናይ ዘመሓድር ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊት እናቴ ሲልቫና ፒሮ፤ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ምምሕዳር ሃገረ ቫቲካን ጠበቓ ጁሰፐ ፑግሊሲ - ኣሊብራንዲ ዝሓቁፍ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ጻዕርታት ምውህሃድ

እቲ ሽማግለ ንኻልኦት ወግዓውን ዘይወግዓውን ተበግሶታት ምትእኽኻብ ገንዘብ፣ ብመሰረት ሕገ ቀኖና ዓንቀጽ 1271ን ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወፈያ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን፡ ከም ኣወሃሃዲ ኣካል ኮይኑ ክሰርሕ ቅዱሰንቶም ከም ዝወሰኑን ዕላማን ባህርን ነፍሲ ወከፍ ተበግሶ ከም ዘኽበር እናረጋገጸ ዝከታተል ክኸውን ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣበርክቶ ሓገዛት ምትብባዕ

እቲ ሽማግለ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክጅመር ዘለዎ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብን ጎስጓስን ወፍሪታት ዝሕንጽጽን ዕብየትን ሜላታቱን ድማ ይሕብር። ብተወሳኺ ንውጥንን ኣተገባብራን ናይዞም ተበግሶታት ክከታተልን ንውልቀ ኣባላቱ ፍሉይ ዕማማት ክህብ ከም ዝኽእልን ብተወሳኺ፣ ቁጠባዊ ደገፍ ዘድልዮም ውጥናት ኣለልዩን ክግምግምን፣ ቀዳምነት ክብወሃቦም ዘለዎ ውጥናት የለልይ፡ ብትካላት ቫቲካን ዝኾነ ውጥናት እንተዘይቀሪቡ፣ እቲ ሽማግለ ንመጻኢ ተበግሶታት ዝምደብ ዕቑር ገንዘብ ክእክብ ዝኽእል ምዃኑን ዜና ቫቲካን ይሕብር።

27 Feb 2025, 16:17