ር. ሊ. ጳ.፦ ካብቶም ሰብ ጥበብ፣ እምነትን ተስፋ ኣብ ኢየሱስ ሕጻን ንመሃር
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኽልተ ዓይነት ረኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋስ ስለ እተረኽቦም፣ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም እኳ እንተ ሃለወ፣ ንምእመናን ኣብነት ናይቶም ሰለስተ ሰብ ጥበብ ብምስዓብ፣ ነቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ሓጐስ ኢየሱስ ሕጻን ከስተማቕሩ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
እቶም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝከታተሉ ዘለዉ ጕጅለ ሓካይም ምሉእ ዕረፍቲ ኽግበሩ ስለ ዝኣዘዙሎም፣ ነቲ ንሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘዳለውዎ ጽሑፎም ክሕተምን ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ክዝርጋሕ ፈቒዶም።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝመሓላለፍዎ ኣስተምህሮ፣ ኣብቲ ብዛዕባ ሕጻንነት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚገልጽ ዛንታታት ወንጌል ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል፣ እቶም ሰለስተ ነገስታት ሰብ ጥበብ ናብ ኢየሱስ ሕጻን ኣብ ዝገብርዎ ንግደት ኣተኲሮም ኣስተምሃሩ።
ክዕገት ዘይከዐል ሓጐስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ነቲ ጕዕዞ እዞም ሰለስተ ሰብ ጥበብ ብምስትንታን፣ እዞም ሰብ ጥበብ ናብ ኢየሱስ ሕጻን ንግደቶም ብምቕጻል፣ ናብ ክርስቶስ ክኸዱ ምስ ነቐሉ፣ እቲ ዝመርሖም ዝነበረ ኰዀብ እንደገና ተራእዮም፣ ናብ ኢየሱስ ከም ዘብጽሖም ድማ ገለጹ።
እዚ ኸኣ ፍጥረትን እቲ ትንቢታዊ ቃላትን፣ እቶም ኣምላኽ ዝዛረበሎምን፣ ገዛእ ርእሱ ንኽገልጽ ዝጥቀመሎም "ገበታ ፊደላት" ከም ምዃኖም ውን ኣመልከቱ።
ከምዚ ክብሉ ውን ጸሓፉ - "መንፈስ ቅዱስ፣ ነቲ ንኣምላኽ ብቕንዕና ዚደሊ ዘበለ ልቢ የነቓቕሕን ብሓጐስ ይመልኦ ክንዲ ዝኾነ፣ እቲ እተራእዮም ኰዀብ እውን ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክገትእዎ ዘይክእሉ ሓጐስ ኣስረጸሎም።"
እኳ ደአ እዞም ሰብኣ ሰገል ናብታ ቤት ምስ ኣተዉ፣ ሰጊዶም ንኢየሱስ ከም ዘምልኽዎን ከምኡ ውን "ንንጉስ ዝበቅዕን፣ ንኣምላኽ ብቑዕ ዝኾነ" ክቡር ውህበት ከም ዘቕረቡ ቅዱስነቶም ኣስተንተኑ።
ኣብ ሓደ ዕሼል ሕጻን ንኣምላኽ ምምላኽ
ቅዱስነቶም "ስለምንታይ? እንታይ ከ እዮም ዝረኣዩ?" ቢሎም ብምሕታት፣ ወሲኾም ድማ "ሓደ ጥንታዊ ደራሲ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ ይብሉ ፦ 'ነቲ ቃል [ዝኾነ ወዲ ኣማልኽ] ዝለበሶ ሓደ ትሑትን ንእሽቶይን ሕጻን እዮም ተኺቦም፣ እቲ ክብሪ መለኮት ግና ካባታቶም ኣይተሰወረን። ሕጻን ይርእዩ፣ ንኣምላኽ ድማ የምልኽዎ።'"
ስለዚ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና፣ እዞም ኣረማውያን ሰብ ጥበብ "ቀዳሞት ኣመንቲ" ኸም ዝዀኑን፣ ምልክት ናይታ ካብ ኵሉ ቛንቋታትን ህዝብታትን እተኣከበት ምስሊ ቤተ-ክርስትያን ከም ምዃኖም ኣፍልጦ ሃቡሉ።
ከምዚ ክብሉ ውን ጸሓፉ - “ኣሰር ኣሰር እቶም ብትብዓት ንስጕምትታቶምን፣ ልቦምን፣ ዘለዎም ዘበለ ኩሉን ናብ ኢየሱስ ሕጻን ዘቕረቡ "ነጋድያን ተስፋ" ዝኾኑ ሰብኣ ሰገል ንስዓብ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኣብ መደምደምታ፣ ኵልና ምእመናን እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ እምነትናን ፍቕርናን ምእንቲ ኽገልጽ ንኢየሱስ ሕጻን ዝበለጸ ውህበት ከነቕርበሉ ብምዕዳም ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ ።