MAP

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ህይወትና ንህላወ ማርያም ብሓጎስ ንቀበሎ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ዕለት 5 ለካቲት ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ምእመናን ንኣብነት እታ ነብሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ ብዝብል ናይ ምስጋና ጸሎት ኣቢላ ንኽርስቶስ ዝተቐበለት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክስዕቡ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና እዩ፣” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዘበገስዎ ተኸታታሊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ክርስቶስ ብምቕጻል፣ ዕለት 5 ለካቲት ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብ ምስጢር ምብጻሕ ማርያም ንዘመዳ ኤልሳቤጥ እንከስተንትኑ፣ እግዚኣብሄር ንህይወትና ዘለዎ መደባት ሓንጎፋይ ቢልና ክንቅበል ኣብነት ናይታ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ምብጻሕ ናብ ዘመዳ ኤልሳቤጥ ዝነበረቶ ሕይወት ክንስዕብ የተሓሳስቡ።

ቅድስቲ ድንግል ምርያም ንቅድስቲ ኤልሳቤጥ ከም ዝበጽሓታ ብምዝኽካር፣ እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ናይቲ ምብጻሕ ድማ፣ እቲ ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ዝነበረ ኢየሱስ ንህዝቡ ዝበጽሕ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ። . . .  እግዚኣብሄር ንህይወትና ዘለዎ መደባት ሓንጎፋይ ቢልና ክንቅበል ኣብነት ናይታ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ምብጻሕ ናብ ዘመዳ ኤልሳቤጥ ዝነበረቶ ሕይወት ብምስዓብ ኣምላኽ ኣብ ዝሓተና ክንርከብ ፍቓደይናታት ንኹን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማርያም ብዘይ ፍርሒ ትብገስ

ማርያም ድሕሪ እቲ ካብ ገብርኤል መልኣኽ ዝበጸሓ መልእኽቲ፡ ተገሪማን ብምድናቕን ተንሲኣ ናብ ጉዕዞ ከም እተበገሰት ቅዱስነቶም ኣጉሊሖም፣ ማርያም ሓደገይና እውን ይኹን ናይ ካልኦት ፍርዲ ከይፈረሐት ንቕድሚት ተጓዕዘት . . . እታ መንእሰይ ካብ ዓለም ንርእሳ ክትከላኸል ኣብ ክንዲ እትመርጽ፣ ናብ ካልኦት ገጻ ትኸይድ። ዝተፈቐርካ ኮይንካ ክስምዓካ እንከሎ ንቕድሚት ትጓዓዝ፡ እቲ ዘንቀሳቕሰና ፍቕሪ እዩ። ንኽንጓዓዝ ሓይሊ ይጸግወና! ቅዱስ ጳውሎስ ፍቕሪ ክርስቶስ ይድርኸና ከም ዝበሎ።”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ማርያም ድፍኢት ናይዚ ፍቕሪ’ዚ ይስምዓ” . . . ንዘመዳ ኤልሳቤጥ እቲ ንእግዚብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን ዝብል እምነታን፣ ኣብ ምፍጻም መብጽዓታቱ ዘለዋ ተስፋን ንኸተካፍል. . .  ቢሎም ኣብቲ ዘቐረብዎ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝተኻየደ ርክብ ከም ዘስተንተኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎት ምስጋና ማርያም፥ ‘ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ’

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ማርያም ጸሎት ምስጋና እንከስተንትኑ፥ ማርያም ኣብዚ ጸሎት እዚ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ዘይኮነስ፣ ብዛዕባ ኣምላኽ እያ እትዛረብ፡ "እምነት፡ ተስፋ፡ ሓጎስ ዝመልኦ ውዳሴ ንኣምላኽ ተቕርብ"።

ዋላ'ውን ናይቲ ጸሎት ግሲታት ኩሉ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዘተኩር እንተኾነ . . .  ኣብቲ ናይ ምስጋና ጸሎታ ነቲ ንህሉው ብእምነት ዘብርህን ንመጻኢ ብተስፋ ዝዅልዕን ፍቕሪ ትዝክር . . . ማርያም ናይ ሕሉፍ ጸጋ ትዝምር፡ እንተኾነ ግን መጻኢ ኣብ ማህጸና ተሰኪማ እትኸይድ ህልውቲ ጓል ኣንስተይቲ እያ" እንክብሉ ኣብሪሆም፣  ጎይታ በታ ትሕትቲ ማርያም ኣቢሉ “ዓበይቲ ነገራት” ክፍጽምን ኣደ ጎይታ ይገብራ፡ ብኣኣ ኣቢሉ ድማ ንሕዝቡ ዘለዎ ተኣማንነት ንዘለኣለም ምዃኑ የረጋግጸልና።”

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵሉ ሰብ ንጐይታ ዅሉ መብጽዓታቱ ክሳዕ ዝፍጸም ብኸመይ ከም እንጽበ ንኽፈልጥን ነቲ ማርያም ኣብ ህይወትና ዝሓደገቶ ኣብነት ንኽንቅበልን ጸጋ ክንሓትት ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 Feb 2025, 16:54