MAP

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካቶሊካውያን ምእንቲ ሰላም መዓልታዊ ክጽልዩ ይሓቱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካቶሊካውያን ምእንቲ ሰላም መዓልታዊ ክጽልዩ ይሓቱ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካቶሊካውያን ምእንቲ ሰላም መዓልታዊ ክጽልዩ ይሓቱ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ለካቲት ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስትምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፣ ብቐጻሊ ዘቕርብዎ ጻውዒት ሰላም ብምቕራብ፣ "ምንቲ ሰላም ጸልዩ፡ ምንቲ ሰላም ተነስሑ” እንክብሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ለካቲት ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረብዕ ሓፈሻዊ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም፥ “እተን ኩለን ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራት እሓስብ . . . ኣሕዋትን ኣሓትን ምእንቲ ሰላም ንጸሊ። ምእንቲ ሰላም ኩላትና እጃምና ነበርክት . . . ንኽንቀትል ዘይኮነስ ሰባት ንኽዓብዩ ክንሕግዝ ኢና ዘተፈጠርና - ዝተወለድና። መገዲ ሰላም ነለልይ ሓደራ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ንኹሎም ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ኣብቲ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተረኽቡ፣ መዓልታዊ ምእንቲ ሰላም ክጽልዩ ሓቲቶም፣ ዞባታት ውግእ እናሓሰቡ፡ ዩክሬይን ፍልስጤም እስራኤል ሚያንማር ሰሜን ኪቩ ደቡብ ሱዳን" ዘኪሮም፣ “በጃኹም ምእንቲ ሰላም ጸልዩ” እንክብሉ ተማሕጺኖም፣ “ንሰላም ንስሓ ንእቶ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

12 Feb 2025, 16:44