MAP

መዓልቲ ኢዮቤል ተስፋ ንስነ ጥበባውያን ኣብ ቫቲካን መዓልቲ ኢዮቤል ተስፋ ንስነ ጥበባውያን ኣብ ቫቲካን   (ANSA)

መዓልቲ ኢዮቤል ተስፋ ንስነ ጥበባውያን ኣብ ቫቲካን

ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንስነ ጥበባውያን ዝውፈይ መዓልቲ ኢዮቤል ክካየድ ከም ዝኾነን፣ ነዚ ንስነ ጥበባውያን ዝተፈወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ኣብ ዝርከብ ብቺነቺታ ናብ ዝጽዋዕ ወሩይ ናይ ፊልም መቕረጽ ስፍራ ምብጻሕ ከካይዱ መደብ ከም ዘለዎምን ካብ ዕለት 15 – 18 ለካቲት ዝካየድ መዓልቲ ኢዮቤል ንስነ ጥበባውያን፣ ቅዱስነቶም ብዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛዘም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ካብ ዕለት 15 – 18 ለካቲት ንናይ ስነ ጥበብን ባህልን ኣካላት ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል፣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክካየድ ከም ዝኾነ ዕለት 12 ለካቲት ኣብ ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብዝ ርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይዚ መደብ ወዳቢ ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኾሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳን ናይ ኢጣሊያ ምኽትል ሚንስትሪ ባህል ሉቻና ቦርጎንዞኒን ኣብ ናይ ኢጣልያ ሚንስትሪ ፍትሒ ክፍሊ ምምሕዳር ኣባይቲ ማሕቡስ ግዚያዊት ሓላፊት ሊና ዲ ዶመኒኮን ናይ ቫቲካን ኣባይቲ መዘክር ሓላፊት ባርባራ ያታ ከም እተሳተፉን እቶም ኣብቲ ንስነ ጥበባውያን ኣብ ዝተወፈየ መዓልቲ ዝሳተፉ ስነ ጥበባውያን ነጋድያን ዕለት 15 ለካቲት ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡ ምዃኖም የመላኽት።

ተስፋ ምክፋል - ኣድማስ ባህላዊ ውርሻ

ድሒሩ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ማለት ዕለት 15 ለካቲት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ቤተ መዘክር ቫቲካን ብምትሕብባር፣ “ተስፋ ምክፋል - ኣድማስ ባህላዊ ውርሻ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ክካየድ ከም ዝኾነን፣ እቲ ርክብ ካብ ስነ  - ጥበብን ክፍሊ ስነ መጽናዕቲ ዓለምን ባህላዊ ትካላትን ናይ ዝተፈላለያ ኣባይተ መዘክራት ኣመሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕ ኣባይቲ መዘክርን፣ ነቲ ሃይማኖታውን ስነ - ጥበባውን ቅርስታት ንምልላይን ንምትሕልላፍን ዝሕግዙ ህሉው ተኽእሎታት፡ ኣገባባትን ቋንቋታትን ዘስተንትኑሉ ቦታ ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ስነ ጥበብን ኣባይቲ መዘክራትን ባህልን ኣካላት መደረ ዘስምዕሉ ዓውደ ኣኼባ፡ ኣብ ምትሕልላፍ ባህላዊ ስርዓት ሃይማኖታት ዝሕግዝ ናይ ሕንጸት ሰነድ ከቲሞም ወግዓዊ ክገብሩ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዕለት 15 ለካቲት ንግሆ እቶም ኣብቲ ንስነ ጥበባውያን ኣብ እትወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ዝሳተፉ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽ ስነ ጥበባውያን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ቅድስቲ መንበር ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል መንዶንሳ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክሰርዑ ከም ዝኾኑን ድሕሪ ቀትሪ ድማ እቶም ስነ ጥበባውያን ነጋድያን ተስፋ ብቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ክሓልፉ ምዃኖምዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምብጻሕ ናብ ቺነቺታ - ናይ ፊልም መቐረጺ ውሩይ ትካል

ብምኽንያ መዓልቲ ኢዮቤል ስነ ጥበበን ባህልን ዕለት 17 ለካቲት ንመጀመርታ ግዜ ሓደ ር.ሊ.ጳ. ናብተን ኣብ ሮማ ናብ ዝርከብ ውሩያት ፊልም ዝቕረጸሉ ኣባይቲ ዝሓዘ ብቺነቺታ ዝጽዋዕ ትካል ምብጻሕ ከካይዱ ከም ዝኾኑ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተሓበረን፣ ኣብዚ ዑደት እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሚኒስትሪ ባህሊ ኢጣልያን ምስ ጉጅለ ስነ - ጥበባውያንን ቀንዲ ተዋሳእትን ኣካላት ባህልን ሲነማን ክራኸቡ እዮም።

ድሕሪ ቀትሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈ ባህልን ትምህርትን ዘዳለዎ መደብ ርክብ ምስ ወከልቲ ካቶሊካውያን ባህላዊ ማእከላትን ንባህሊ ዝተወፈያ ኣቕለሲያውያን ትካላትን ኣብ ሕንጻ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ትምህርትን ባህልን ክካየድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስግረ - ሃገራዊ ዑደት

ኣብ መወዳእታ፡ ዕለት 18 ለካቲት ድሕሪ ቀትሪ፡ ብራፋኤላ ፐርና ዝተዳለወ፣ “ዓለማዊ ስእላዊ ግጥሚ፡ ስግረ - ሃገራዊ ዑደት ኣብ ስእላዊ ግጥሚ” እተሰመየ ምርኢት፣ ኣብ ቀጽሪ ናይ ትምህርትን ባህልን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክቐርብ ከም ዝኾነን፣ እቲ ምርኢት ምህዞን እዋናዊ ኣበርክቶን ስእላዊ ግጥሚ መበል 20 ክፍለ ዘመን ንምጉላሕ ዝዓለመ ምዃኑ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መገልጺ ጠቒሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣

ዶክተር ጃታ፡ ምትሕልላፍ ቅርሲ ስነጥበብን ሃይማኖታዊ ክብርታትን

ናይ ቫቲካን ቤተ መዘክር ኣመሓዳሪ ባርባራ ጃታ ብዛዕባ ትርጉም ናይቲ ፍጻመ ኣማእኪለን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፡

"ንስነጥበባውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኹሎም ብሰፊሑ ኣብ ስነ - ጥበብ ዓለም ዘለዉ ሰባት፡ እንኮላይ ንሓላፍትን ዋና ኣመሓደርትን ስነ ጥበብን ትምህርትን ባህልን፣ መምሃራን ታሪኽ ስነ-ጥበብ፣ ከማይ ዝኣመሰሉ ሰባትን ካልኦት ብዙሓት ዘሳትፍ መደብ ንዕለት 15 ለካቲት ኣብ ቤተ መዘክር ቫቲካን ኣብ ኢዮቤል ዘተኮረ መደብ ክህሉ እዩም” ከም ዝበላን፡ ኣስዒበን እቲ መደብ ኮነ ቫቲካን ቤተ መዘክር፡ ቅርሲ ንምትሕልላፍ ኣባይቲ መዘክር ቫቲካን ዘለዎ ቀጻሊ ተወፋይነትን መዓልታዊ ዕዮን ዝገልጽ፡ እዚ ቅርሲ እዚ "ቅርሲ ምርምርን ስነጥበብን" ዘጠቓልል ከም ዝኾነን ግን ከኣ "ቅርሲ ሃይማኖታዊ ክብርታት ዝውክል" ምዃኑ ኣብሪሀን፣

"ዘሎን መጻእን ወለዶታት ድማ ነቶም ሃይማኖታዊ ክብርታት ክስእኑ ኣይንደልን ኢና" ምስ በላ፣

ብጻዕሪ ናይቲ ንስነ ጥበባውያን እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት፥ ተሳተፍቲ፡ "ትውፊታትና እናጠመትና፡ ካበይ ከም ዝመጻእና ከይንርስዕ" ግን ከኣ "ንህሉው እዋን፡ ከምኡ'ውን ኣብ መጻኢ ናበይ ከም እንኸይድ እናረኣና እንገብሮ ጉዕዞ ብቐረባ ክምልከቱ እዮም፣” እዚ ጻዕሪ "ተስፋ፡ ሰላምን ዘተን ናይ ምትሕልላፍ" ሓይሊ ክህልዎ ከምዝኽእል ዘለወን ተስፋ ገሊጸን ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

14 Feb 2025, 08:52