MAP

ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት መቝጽሪያ ምእንቲ ጥዕና ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት መቝጽሪያ ምእንቲ ጥዕና ቅዱስ ኣቦና  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት መቝጽሪያ ምእንቲ ጥዕና ቅዱስ ኣቦና

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ካርዲናላት፣ ጳጳሳትን ኣባላት ክርያ ሮማና ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት፣ ዕለት 24 ለካቲት ሰዓት 21፡00 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ምእንቲ ቅዱስ ኣቦና ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ዕለት 24 ለካቲት ምሸት ምንቲ ጥዕናን ሕውየትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መንእሰያት፡ ኣባይቲ ስድራ፡ ካህናት፡ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት፡ ኣብ ሮማ ዝነብሩ ካርዲናላት፡ ሓለፍቲ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣባላት ኩርያ ሮማናን ዝተሳተፍዎ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝምራሕዎ ጸሎት መቑጸርያ ከም እተኻየደን ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 22 ለካቲት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝርከባ ሰበኻታት እውን ተመሳሳሊ መደብ ጸሎት ከም እተኻየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎት መእንቲ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ

“ኣብ ግብሪ ሃዋርያት፡ ከም እነንብቦ ጴጥሮስ ኣብ ቤት ማሕቡስ እንከሎም ቤተ ክርስቲያን ኣበርቲዓ ምእንታኡ ትጽሊ ከም ዝነበረት ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ብምዝኽካር፣ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ወትሩ ከም እትጽልን ሎሚ እውን ቅዱስ ኣቦና ብዝሓደሮም ሕማም ምኽንያት ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣብ ዝተዓቖቡሉ እዋን፣ ቤተ ክርስቲያን ሮማን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያን ምእንታኦም በማላድነት ቅድስቲ ማርያም ፈዋሲተ ህሙማን ጸሎት ልመና ተቕርብ - ቢሎም - ንቅዱስ ኣቦና ንኣማላድነት ቅድስተ ማርያም ፈዋሲተ ህሙማን ሓደራ ንብል . . . ፈቃር ኣደ ኣብዚ ናይ ሕማምን ፈተና እዋን ክትድግፎምን ቀልጢፎም ክሓውዩን ክትሕግዞም ንጽሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት መቝጽሪያ ምእንቲ ጥዕና ቅዱስ ኣቦና
25 Feb 2025, 16:21