MAP

2024.11.07 ንሓይሊ ምክልኻል እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል፡ ‘ተስፋ እንተዘይህሉ ገለ እኳ ኣይምሃለወናን!' 2024.11.07 ንሓይሊ ምክልኻል እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል፡ ‘ተስፋ እንተዘይህሉ ገለ እኳ ኣይምሃለወናን!'  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ንሓይሊ ምክልኻል እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል፡ ‘ተስፋ እንተዘይህሉ ገለ እኳ ኣይምሃለወናን!'

ኣብዚ ዓመተ ኢዮበል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ልዕሊ 30 ሽሕ ወተሃደራዊ ኣባላት፡ ሓይሊ ጸጥታን ገዳይም ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ጸጥታ፡ ብዓለም ደረጃ ንህዝቢ ተስፋ ንምምጻእ ዝገብርዎ ኣገልግሎት ኣፍልጦ ንምሃብ ዝተወፈየ ናይ ክልተ መዓልታት መደብ ኢዮቤል ተስፋ ኣብ ቫቲካን የብዕሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 8 - 9 ለካቲት ኣባላት ሓይሊ ጸጥታን ሓይሊ ምክልኻልን ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ድርኩኺት ቅዱስ ኣፍደገ ክሰግሩ ከም ዝኾኑን እዚ መደብ እዚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዛዘም እዩ።

መዘኻኸሪ ሰላም

ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዝተዋህበ መግለጺ፣ ናይ ስብከተ ወንጌል ጉዳያት ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተን ኣወሃሃዲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ሊቀ ጳጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ፥ ካብ ኣስታት 100 ሃገራት ዝመጹ ልኡኻት - ኮሎምብያ፡ ኣውስትራልያ፡ ዩክሬን፡ ኣመሪካን ኢንዶነዥያን ሓዊስካ - ዕለት 8 ለካቲት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብቑድስ ኣፍደገ ክሓልፉ ከም ዝኾኑን፣ . . . ዕለት 9 ለካቲት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ሕማም ነድሪ ጒርጉማ እንተድኣ ሓውዮም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዛዘም ምዃኑ ሓቢሮም፣ እቲ መደብ “ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ሰላም ዝጽውዕ” ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንምእዋጅ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሰነድ፥ “ገበርቲ ሰላም ዝኾኑ ደቂ እግዚኣብሔር ክበሃሉ እዮም” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም፣ ብፍላይ ኣብተን ኣብዚ እዋን እዚ ዓመጽ ዘጋጥመን ዘሎ ሃገራትን ዞባታትን” ቢሎም፣ ጠለባት ሰላም ንኹሉ ዝጽውዕን ጭቡጥ ውጥናት ከነሳልጥን ዝጠልብ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ፍሉያት ቅዱሳን ማዕጾታት ንወተሃደራት

በቲ ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ቅዱስ ኣፍደገፍ ንኽሓልፉ ዕድል ዘይረኽቡ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ጸጥታን ድማ ኣብ ዝርከቡሉ ከባቢታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወተሃደራዊ መዓስክራትን ቤት ህንጸት ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ጸጥታን ከምኡ እውን ናይ ሓይሊ ምልኻልን ጸጥታ መንፈሳዊ መራሕቲ ንምዃን ዝሕነጹ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ ኣብ ዝርከብ ቤት ጸሎት እውን ክነግዱን በቲ ናይቲ ኣባይቲ ጸሎት ቅዱስ በራት ክሓልፉን ዕድል ክወሃቦም ምዃኑ ከም ዘፍለጡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

08 Feb 2025, 17:58