ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መዝነት ናይ ጉባኤ ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤን ምኽትል ኣፈ ጉባኤን የናውሑ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረን ምኽትል ኣፈ ጉባኤ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪን ኣብ ሓላፍነቶም ክቕጽሉ ውሲኖም፣ ንካርዲናል ሮበርት ፕረቮስት ድማ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ካርዲናላት ዘሎ ስርዓት ኣቡናት ኣባል እንክብሉ ከም ዝሰምይዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ዕለት 6 ለካቲት ናይ ጉባኤ ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረን ምኽትሎ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪን ኣብ ሓላፍነቶም ክቕጽሉ ከም ዝወሰኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳያት ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት፣ ኣባል ናይቲ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ካርዲናላት ዘሎ ስርዓት ኣቡናትን ከምኡ እውን ናይ ዞባ ኣልባኖ ቤተ ክርስቲያን ስዩም ጳጳሳ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝተቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
07 Feb 2025, 17:01