MAP

ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ብሩኒ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለት 24 ለካቲትን ዕለት 25 ለካቲት ንግሆን ኩነታት ጥዕናኦም ኣማእኪሎም መግለጺ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ዝወሃቦም ዘሎ ሕክምናዊ ክንክን ጥዕና ብጽቡቕ ይከታተሉ ከም ዘለዉን፡ ኣካሎም እውን ንዝወሃቦም ዘሎ መድሃኒታዊ ፍወሳ ብጽቡቕ ይቕበሎ ከም ዘሎ፣ ምልክታት ቅልል ዝበለ ሕጽረት ምሉእ ተግባር ኩሊት እውን ዘጋጠሞም እውን እንተኾነ፣ ብዝግበረሎም ዘሎ ሕክማናዊ ክንክ ምሉእ ተግባር ኣገልግሎት ኩሊት ናብቲ ንብሩ ዝተመስለ እውን ከም ዝመስል፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ፍክሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዕለት 24 ለካቲት ምሸት ብሩኒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዋላ’ኳ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ከቢድ እንተኾነ፡ ቁሩብ ምምሕያሽ ከምዘርኣዩ ኣመልኪቱ፣ “[ሰኑይ] ዝኾነ ምስ ሕማም ኣዝማ ዝመሳሰል ጸገም ስርዓተ ምስትንፋስ ከም ዘይተራእየሎምን፡ ዝተገበረሎም መርመራታት እውን ኩነታት ጥዕናኦም ቁርብ ምምሕያሽ ከምዘረአየ ዝሕብር ምዃኑ ሓቢሮም፣ ዝወሃቦም ዘሎ ፍወሳ ኦክስጅን ይቕጽል እውን እንተሃለወ፣ ዋሕዝን ደረጃን ዝወሃቦም መጠን ኦክስጅን ቁርብ ከም ዝነከየን ገሊጾም፣ ሓካይም "እቲ ስእሊ ናይቲ ዝከታተልዎ ዘለዉ ሕክምናዊ መርመራ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ጥንቑቕን ቁጡብን ሓበሬታ ክህቡ ዝመርጹ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

መርሓ ፍጻሜታቶም

ቅዱስነቶም ዕለት 24 ለካቲት ንግሆ ቅዱስ ቁርባን ከም እተቐበሉን፣ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ከም ወትሩ ስርሖም ከም ዝቐጸሉን፣ ከምቲ ልሙድ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቓዛ ንናይ ቅድስቲ ስድራ ቤት ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ስልኪ ደዊሎም ንኹሎም ኣብኡ ንዝርከብ ህዝቢ ኣባታዊ ቅርበቶም ደጊሞም ከም ዘረጋገጹን፣ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣባላት ቁምስና ስለ ዝለኣኹሎም ቅርበቶምን ፍቕሮምን ዘረጋግጽ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዝበጸሖም እውን ኣመላኺቶም፣ “መላእ ሕዝበ እግዚኣብሔር፣ ኣብዚ ቅንያት እዚ ምእንቲ ጥዕና ቅዱስነቶም ስለ ዘካይዶ መደባት ጸሎት” ምስጋናኦም ከም ዘመሓላለፉ ኣፍሊጡ።

25 Feb 2025, 16:19