ር. ሊ. ጳ. ናብ ጳጳሳት ህንዲ፦ 'ንድኻታት፡ ወደብ ተስፋ ኩንዎም'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳሳት ናይታ ላቲናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ህንዲ፣ መበል 36 መደባዊ ምልኣተ ጉባኤ ኣብ ዘካይዱሉ ዘለዉ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንድኻታትን ንመሳኪንን ኣብ ኣገልግሎቶም ቀዳምነት ክህብዎም ተማሕጺኖም።
ንብምሉኡ ሃገርኩም ምልክት ተስፋ ኹኑ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቲ ኣብ ግዝኣት ኦዲሻ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ኩታክ-ቡባኔስዋር ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፣ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ዘተ "ነተን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያን ንፍረታት ናይ ሲኖዳውነት ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ከም ዘተግብራ ንኸስተንትኑን፣ ከምኡውን ንኹሎም ምእመናን ኣብ ጸዋዕታኦም ልኡካነ ወንጌል ደቀ መዛሙርቲ ንክዀኑ እተበራብርዎም ኩኑ" ክብሉ መረቕዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፡ ንዓመት ኢዮቤል ተስፋ ብምምልካት፡ እዛ ኣብ ህንዲ ዘላ ቤተ-ክርስትያን "ኵሎም ሕዝዚ እታ ሃገር ዝሓሸ መጻኢ ተስፋ ምእንቲ ኺህልዎም፣ ንድኻታትን ንመሳኪንን ንምቕባል ወትሩ ማዕጾኣ ብምኽፋት፣ ንመላእ እታ ሃገር ምልክት ተስፋ ዀይና ኽትቅጽል እያ" ክብሉ ዘለዎም እምንቶ ገለጹ።
ኣርእስትታት እቲ ምዱብ ምልኣተ ጉባኤ
ዓመታዊ ምዱብ ምልኣተ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ህንዲ ኣብ ትሕቲ "ንተልእኾ ወንጌል ዝኸውን ሜመያ ዘለዎ ሲኖዳዊ መገድታት" ዘርእስቱ ቅዉም ሓሳብ፣ 204 ጳጳሳት ናይታ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ቤተ - ክርስትያን ህንዲ፣ ብዛዕባ ተልእኾ ቤተ - ክርስትያን የስተንትኑ ኣለዉ ። ንሰለስተ መዓልቲ መንፈሳዊ ሱባኤ ድሕሪ ምክያድ፣ እቲ ጉባኤ ኽሳዕ ዕለት 4 ለካቲት ኪቕጽል እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፣ ኣብ ኣርእትታት ሥነ መዕበያን ሲኖዳዊ ጕዕዞ ሕይወትን፣ ቈልዑን ስድራ ቤታትን፣ መንእሰያት ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትን ከምኡውን ማሕበራዊ መራኸቢታትን፣ ዓለማውያን ምእመናንን ተሳትፎኦም ኣብ ህዝባዊ ህይወትን፣ መሰረታውያን ማሕበራት ቤተክርስቲያንን፣ ድኽነትን ፍትሓዊ ቝጠባን፣ ሥነ ኣከባብን ኩነታት ኣየርን፣ ስደተኛታትን ተመዛበልትን፣ ደቀባትን ከምኡውን ብኻልኦት ዓሌታ ዝተገለሉ ሰባትን፣ ደቂ ኣንስትዮን ጾታዊ ፍትሕን፣ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያንን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ርክባትን ከምኡውን ብዛዕባ ህንጸት ሰላም ክዝትዩ ኢዮም።