ር.ሊ.ጳ. ንማሕበር ሂልተን፥ ኣገዳስነት ደቂ ኣነስትዮ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ንድኻታት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 22 ጥሪ ንናይ ማሕበር ኮንራድ ሂልተን ኣካየድቲ ስራሕ ኣብ ሃገር ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስሞዎ መደረ፥ እቲ ማሕበር ንጽጉማትን ድኻታትን ኣብ ምግልጋል ዝገብሮ ቀጻሊ ዕዮን ንደናግል ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፍይ ህይወት ንምብርታዕን ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ዝገብርዎ ልዑል ኣበርክቶን ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ነቲ ተባዕታዊ ዓብልልነት ዝብል ኣመለኻኽታን ተግባርን ክትብድሆ ንዝህቦ ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናብራ ድኻታት ምምሕያሽ
እዚ ኣብ 1944 ዓ.ም. ብፍሉጥ ወናኒ ዓበይቲ መቐበል ኣጋይሽ ኣብ ዓለም ኮንራድ ሂልተን ዝተመስረተ ማሕበር ኣብ መላእ ዓለም ናይ ድኻታትን ተቓላዕትን ሰባት ህይወት ንምምሕያሽ ዕድላት ኣብ ምቕራብን፡ ሽርክነት ኣብ ምዝራግሕን ዝኣመተ ዝተፈላለዩ ጎስጓሳት ዘካይድን ብፍላይ ከኣ ዓለም ክትመሓየሽ ሕይወት ድኻታት ምምሕያሽ ዝብል መርሕ ዝገበረ ቤት ኣልቦን ቅዩዳት ዝተፈላለዩ ወልፍታ፡ት ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተነፍጎምን፡ ኵለ መዳያዊ ምዕባለ ሕጻናትን ስደተይናታትን ናይ ኩሉ ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል ክኽበር ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ካልኦት ቅልውላዋትን ንዝተሃስዩ ማሕበረሰባት ደገፍ ኣብ ምቕራብ ተዋፊሩ ዘገልግል ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ካቶሊካውያን ኣሓት - ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ንዝህብኦ ኣገልግሎትን ጽልዋ ናይተን ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ብትምህርትን ካልእ ተበግሶታትን ኣቢሉ ክብ ንኽብልን ዝድግፍ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዘስመሩሉን እዚ መምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ማሕበራት ደናግል ንምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝኣመተ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምታሕብባር ንዘሳልጥኦ ውጥናት እውን ዝድግፍ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
"ርህራሄ ናብ ስቓይ ካልኦት ምቅርራብ ማለት እዩ”
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነተን ናይ ማሕበር ሂልተ መርሕነት ኣካላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብዛ ድኽነትን ምግላልን እናወሰኸን እናሰፈሐን ዝኸደላ ዓለም፡ ናይዞም ብድኽነትን ምግላልን ዝሳቐዩ ሰባት ሰብኣዊ ክብሪ ንምድንፋዕ እቲ ማሕበር ዝነብሮ “ውዕዉዕ ስምዒትን ርህሩህን” ተወፋይነት ንኢዶም፡ ነቲ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ምስ ተክለ ሰብነት ሕያዋይ ሳምራዊ ብምንጽጻር፡ ነቲ ዝወደቐ ኣብራኽካ ዓጺፍካ ኣተንስኣዮን ደግፎምን ዝብል መትከል ሕመረት ናይ ዝቐርብ ኣገልግሎት ክኸውን ተማሕጺኖም፥ እዞ ኣገልግሎት እዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ንኣባላት እቲ ማሕበር ሂልተን ርህራሄ” ናብ ስቓይ ካልኦት ቀረባ ምዃን ናይ ስቃዩ ተኻፋሊ ምዃን ማለት ደኣ እምበር ካብ ርሑቕ ኮይናካ ትኳቦ ምሃብ ማለት ኣይኮነን፡ እቲ ዝቐርብ ሓገዝን ደገፍን ካብዚ ተኻፋልነት መንፈስ ዝነቕ፡ ምልኣት ይህልዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብስሩዕ ኣገባብ ኣቢልካ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ምሕያል
እቲ ማሕበር ሂልተን ንደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ማሕበራትን ነተን ናይተን ማሕበር ኣባላት ዝኾና መንእሰያት ደናግል ዘድሊ ህንጸት ንኽረኽባን ከምኡ እውን ነተን ብዕድመ ንዝደፈኣ ኣባላት ማሕበር ደናግል ዘድሊ ድጋፍ ንኽረኽባ ዝህቦ ደገፍን መናእሰይ ደናግል ኣባላት ማሕበር ሰብ ውፉይ ህይወት ነገልግሎተን ዝሕግዝ ዘድሊ ሰብኣውን መንፈሳውን ህንጸት ብዝለዓለ ደረጃ ንኽረኽባ ዘድሊ ወጻኢታት ኣብ ምሽፋን ዘለዎ ተራ እውን ልዑል ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ምእንቲ እዚ እውን ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ንድኻታት ዘገልግላ እምበር ጊልያዎት ኣይኮናን
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ቤተ ክርስቲያን ምስ ናይ ኣባላት ውሉደ ክህነት ክነጻጸር እንከሎ ንደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ዝረኽበኦ ህንጸት ኣዚዩ ዝተሓተ ወጻእታት ትምድብ ከም ዝነበረት ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ድማ ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ደናግል "ካልኣይ ዜጋ” ጌርካ ካብ ምርኣይ ዝነቕል ግጒይ ኣመለኻኽታን ተግባርን ምዃኑ ገሊጾም፥ “እንተኾነ እዘን ኣሓት ቀጻሊ ትምህርትን ስልጠናን ክረኽባ ዘለዎ ኣድላይነት ህጹጽ እዩ . . . ምኽንያቱ እቲ ኣብ ወሰናስን ከተማታትናን ህልውናን ዘሳልጥኦ ዕማም ስልጠናን ብቕዓትን ዝሓትት ስለ ዝኾነ . . . ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ተባዕታዊ ዓብላልነት ዝብል ኣመለኻኽታ ክስገር እቲ ማሕበር ንዝህቦ ልዑል ኣበርክቶ ንኢዶም፥
“ተልእኾ ደናግል ነቶም ትሑታት ምግልጋል ደኣ እምበር ጊልያ ምዃን ማለት ኣይኮነ፡ እዚ ብፍጹም ክርሳዕ የብሉን፣ እዚ ማሕበር እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ካብ ተባዕታዊ ዓብልልነት ኣተሓሳስባ ክትላቐቕ ይሕግዝ ኣሎ”
ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኣተሓሳስባ ክህነትን ተባዕታዊ ዓብላልነትን ምቕያር
ቢሎም፥ ማዕረ ማዕሪኡ ቅዱሰንቶም፥ ኣብ ቫቲካን ሓዊሱ ኣብ ናይ ወሳኒ ጽፍሕታት ደቂ ኣንስትዮ ቦታ ክህልወን ኣብ ምግባር ዝረአ ዘሎ ምምሕያሻት ገሊጾም፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሓንቲ መነኮስ ናይቲ ናይ ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበራት ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ጉዳይ ናይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ቢሎም ከም ዝሰመዩ ኣዘካኺሮም፥
“እተን መነኮሳት ኣብ ቅድሚት ስለ ዘለዋን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ዝሓሸ ዕዮ ከም ዝፍጽማ ይፈልጣ . . . ምኽንያቱ ነገራት ብጥንቃቔ ናይ ምኽዋን ልዑል ክእለት ስለ ዘለወን”
ርህራሄ፡ ቅርበትን ለውሃትን
ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ነቲ ማሕበር ሂልተን ንተኣፋፍያንን ድኻታትን ዝተገለሉን ቀረባ ብምዃን ዝህቦ ዘይሕለል ኣገልግሎት ብምምስጋን፥ እቶም ዝተናዕቁን ዝተገለሉን ኣብ ሕብረተሰብ ክህሉ ናይ ዘለዎ ለውጢ ንምርግጋጽ ናይ ዝግበር ጻዕሪ ኣካል ክኾኑ፥ ዝብል ሕልሞም ገሊጾም፣ ኣብዚ እዋን እዚ ርሕራሐ ቀረባውነትን ለውሃትን ዝብል ሰለስተ ባህርያት ኣምላኽ ኣዚዩ ኣድላዪ ምዃኑ ብምዝኽካር መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።