ር.ሊ.ጳ. ካብ ፊንላንድ ንዝመጸ ኤቁመናዊ ጉጅለ፥ ‘ክርስቶሳዊ ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ!”
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ዕለት 20 ጥሪ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ሀንሪክ ንምብዓል ነቲ ኣብ ሮማ በቢ ዓመቱ ኣብቲ ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ ኣብ ዝካየድ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ንኽሳተፍ ሮማ ዝኣተወ ካብ ፊንላንድ ዝመጸ ኤቁመናዊ ጉጅለ፡ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም፥ “ኣብ ጎይታ ተስፋ ምግባር ዘየሕፍር እዩ፣ ንሕና ክርስትያን ድማ ብሓባር ኣብ ጸሎት ክንጸንዕ ኣሎና” ዝብል ሓሳብ ኣብ ዘስመሩሉ ቃለ ምዕዳን፥ እቲ ለምዘበን ኤቁመናዊ ጸሎት ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዝካየድ ብምዃኑ “ናይ ተስፋ ነጋድያን” ዝብል መርሕ ቃል ዘለዎ ምዃኑ ብምዝኽካር፥ ከም ነጋድያን ተስፋ ብሓባር ኢና እንጓዓዝ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ “ኣብ ናይ እምነት ጉዕዞና - ይብሉ - ከምቲ ኣብ መልኽቲ ዕብራውያን እነንብቦ ‘እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ፡ ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ ምንዋጽ ነጽንዓያ’ (ዕብ.1,23)” ብዝብል መንፈስ ዝማኽ ክኸውን ተረጋጊጹልና ኣሎ"። ኣብዚ ዓውዲ ይብሉ፡ ቅዱስ ሀንሪክ "ናይ ከምዚ ዓይነት ተስፋ ነባሪ ምልክት፥ ምዃኑ ኣዘርኻኺሮም፥ "እዚ ተስፋ እዚ ድማ ርጉጽን ነባርን መሰረቱ እግዚኣብሔር እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ጸሎት ጽኑዕ ምዃን
ቅዱስ ኣቦና "ከም ልኡካን ሰላም መጠን፡ ነቲ ክቡር ግን ከኣ ኣብዚ እዋን ኣዚዩ ተኣፋፊ ዝኾነ ህያብ ሰላም ክንጽሊ ንዕደም፥ . . . ብዛዕባ ክርስትያናዊ እምነት ኣብ ጐይታ እንከስተንትኑ፥ ንሰላም ብሓባር ምጽላይ ኣገዳሲ ምዃኑን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ሓቂ ስጋ ዝለበሰ ጐይታናን መድሓኒናን ምዃኑን ንሕና ድማ ነቲ ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ ብሓጎስ ክንቅበሎ ከምዘለና ኣዘኻኺሮም። ኣብ ጎይታ ተስፋ ምግባር ፈጺሙ ዘየሕፍር ምዃኑ፥ “ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ከም ዘይኮነ” (ሮሜ. 8, 37 – 39) ኣረጋጊጾም፡ በቲ ዘፍቀረና ድማ ‘ሰዓርቲ ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ነዚ ስጋ ዝለበሰ ፍቕሪ ምምስካር፡ ኣብ ሕብረት ኩሎም ዝተጠመቑ ኤቁመናዊ ጸዋዕታ እዩ!” ምስ በሉ፥ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ብሓባር ኣቡን ዘበሰማያት ዝብል ጎይታ ዝመሃረና ጸሎት ንጸልይ እንክብሉ ዓዲሞም፥ ጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት ምስ ተደግመ፡ ነቶም ፊንላንዳዊ ኤቈምናዊ ጉጅለ ልኡካን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ስለ ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣመስጊኖም፡ በረኸት እግዚኣብሔር ተማሒጺኖም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።