MAP

2025.01.27 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ተስፋ ዘብጽሕ መርበብ ክኾኑ ይላበዉ! 2025.01.27 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ተስፋ ዘብጽሕ መርበብ ክኾኑ ይላበዉ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ተስፋ ዘብጽሕ መርበብ ክኾኑ ይላበዉ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ጥሪ ኣብ ዓለም ናይ ዝርከቡ ጉባኤ ጳጳሳት ሽማግለ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓለፍቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ክንዲ ምፍልላይ ተስፋን ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ክዘርእ ዝኽእል ዝተፈላለየ ኣገባብ ርክብ ንምህናጽ፡ ሓባራዊ መርበብ ክፈጥሩ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እቲ ካብ ዕለት 24 – 25 ጥሪ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንጋዜጠይናታትን ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓንን ዝተወፍየ መዓልቲ ኢዮቤል፡ ካብ መላእ ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ጉባኤ ጳጳሳት፡ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ናይ ዝከታተል ሽማግለ ሓለፍቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝሰምዕዎ መደረ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይኹን ኣብ ሰፊሕ ዓለም፡ ተስፋን ሓድነትን ክትዘርእ ዘኽእላ፡ “ዝተፈለየ ኣገባብ ርክብ” ክትሓንጽ ምእንቲ፡ መራሕቲ ማሕበራዊ ርክብ ካቶሊካውያን፡ ሓይሎም ክወሃህዱ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ከመይ ገይርና ተስፋ ነመሓላልፍ?

እቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ጉባኤ ጳጳሳት ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሽማግለ ሓለፍቲ፡ ጻዕሮም ብሓቂ ኣብ መንጎ ተስፋ ምቑራጽ ተስፋ ዘነቓቕሕ ድዩ ኣይኮነን ክግምግሙን፡ ነቲ “ማሕበረሰብ ዘዳኽም ናይ ምግምማዕ ተህዋስያን” ክቃወሙ ብምዕዳም፡ “ተስፋ ፈጺማ እይተሕፍርና እያ፡’ ግናኸ ነዚ እምንቶ እዚ ብኸመይ ከም እነመሓላልፎ ንፈልጥ ዲና?” እንክብሉ ሓቶ ኣቕሪቦም፡ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ምዝርራብ “ትካላት ዕዳጋ ዘተኣታትዎ ሕግታት ምስዓብ ማለት ኣይኮነን፡ የግዳስ፡ 'መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝቐረበት ንምርኣይ' ከምኡውን 'ሰናይ ከም ዘሎ ናይ ምልላይን ናይ ምስፋሕን' ክእለት ዘለዎ ክኸውን ይግባእ . . . እዚ እውን እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣሉታዊ ትኹረት ጋዜጠይናነት እናተቓወመ፡ ህላወ ክፍኣት እናኣለለየ፡ ናይ ሰናይን ጽንዓትን ዛንታታት ከካፍል ዝብል ክርስቲያናዊ ጸዋዕታን ሓላፍነትን ዘለዎ እዩ። . . . ክፍኣት ኣሎ ክሕባእ የብሉን፡ እንታይ ደኣ እቲ ዝርአ ኣሉታዊ ነገራት ኩሉን ክንዋሳእን ሕቶን መልስን ከነፍሪ ክመርሓና ኣለዎ” እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣማራጺ ንናይ እዋንና መናድቕ ባቢሎን

ካብዚ ብምብጋስ ድማ ንኹሉ ሰብ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘሳትፍን ንነፍሲ ​​ወከፍ ቋንቋ ኣብ ግምት ዘእትው፡ ብኣጠቓቕማ ቃላት፡ ስነ-ጥበብ፡ ሙዚቃ፡ ቅብኣን ምስልን ዝግለጽ ውሁድ ቅንየት ዘለዎ ዕዮ ኣድላዪ እዩ። እምበኣርከስ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን፡ ምትሕብባሮም ከዕዝዙ ተማሕጺኖም፣ እዚ ድማ ብወንጌል ዝተደፋፍአ፥ “ስኒት ዘመሓላልፍን ጭቡጥ ኣማራጺ ንእዋናዊ ፈላላይ መናድቕ ባቢሎን ዘነጽርን፡ ንዅሉ ሰብ ዝዛረብን ኵሉ ዝርድኦን” ሓበሬታ ምቕራብ . . .

ምርድዳእ ወሳኒ እዩ። ክንረዳዳእ እንኮለና ከም ድልድል ዘራኽቡ ቋንቋታት ንምህዝ። ንሕና ኢና ፈጠርቲ። ስኒት ዘመሓላልፍን ጭቡጥ ኣማራጺ ንናይ ሎሚ መናድቕ ባቢሎን ዝሓስብን ኣገባብ ርክብ ክኸውን ኣለዎ . ብዛዕባ እዚ ሕሰብ። ሓድሽ ፈላላይ መናድቕ ባቢሎን: ኩሉ ሰብ ይዛረብ፡ እዚ እውን ምርድዳእ ከይህሉ እዩ ዝገብር። ብዛዕባ እዚ ምስሌ እዚ ሕሰቡ”

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብሓባር

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ክልተ ወሰንቲ፥ ማለት “ብሓባርን መርበብን፥ ኣብ ዝብላ ቃላት ኣተኵይሮም ንክርስትያን ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጠይናታትን፥ ሓበሬታ ምቕራብ “ሓረግ ወይ ጭርሖ ምንዛሕ ማለት ኣይኮነን ጋዜጣዊ መግለጺ ጥራይ ምቕራብ ማለት ኣእውን ይኮነን፡” እንታይ ደኣ “ናይ ፍቕሪ ተግባር፥ ምዃኑ ብምዝኽካር፥ ክርስትያን ዝገማምዕን ዝፈላልይን ኣገባብ ዝኽተል መራኸቢ ብዙሓን ብምንጻግ፡ ማሕበረሰብ ልዕል ዘብሉን መዓልታዊ ተስፋ ዝመልሱን መርበባት ሰናይነት ዝሃንጹ እዩ ክኾኑ ዘለዎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መርበብ ሓበሬታ

“መርበብ” ብዝምልከት ቅዱስነቶም እንክዛረቡ፥ ቅድሚ ኩሉ መርበብ እትብል ቃል፥ ንመርበብ ገፈፍቲ ዓሳን ኢየሱስ ነቲ ገፋፊ ዓሳ ዝነበረ ጴጥሮስ ገፋፊ ደቂ ሰባት ክኸውን ዘቕረበሉ ዕድመ፡ ተዘኻኽረናን ስለዚ ድማ “ክእለትን ፍልጠትን ጸጋታትን ኣብ መርበብ ከነእቱ ክድርኸና ይግባእ” ቢሎም፥ እዚ ድማ እኹል ሓበሬታ ምሃብን ካብ ባሕሪ ተስፋ ምቑራጽን ግጉይ ሓበሬታን ምህዳምን ይሓትት።”

ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሓዊሱ ዘመናዊ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ ዕደ ጥበባዊ መጋበርያታት ዘለዎም ዕቑር ዓቕሚ፡ ጣዖት ከይከውን ኣጠንቂቖም፡ ኣብ ክንድኡስ፡ ነዞም መጋበርያታት ተጠቒሞም ትርጉም ዘለዎ ምትእስሳርን መርበባትን ንምዕባይ ቃል ክኣትዉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሰርሖ ሓስተውዕሎ ብልሒ ‘ተፈጥሮኣዊ ብልሒ’ ማለት ሰብኣዊ ጥበብን ምስትውዓልን ንምምዕባል ዝያዳ ኣቃልቦ ክግበር ከም ዝሓተቱ የመላኽት።

ጎይታ ወጺኡ ምስ ካልኦት ንኽራኸብ ነፍቅደሉ

ቅዱሰንቶም ወሲኾም፥ “ናይ ጋዜጠይናነት ሞያ” ኣብ ክንዲ ርእሰ ምልላይ ወይ ውልቃዊ ዓወታት ዘማእክል፡ ኣብ እግዚኣብሔር ሓባራዊ ምትእምማን ዘተባብዕ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣዘኻኺሮም። በቲ ንገዛእ ርእስና ክብ ንኸነብልን ተበግሶታትና ንምብዓልን ተባሂሉ ዝንገር ዘየቋርጽ ግጉይ ኣመለኻኽታ ኣክንዲ እንታለል፡ ከመይ ጌርና ብሓባር ናይ ተስፋ ዛንታ ክንሃንጽ ከም እንኽእል እስከ ንርአ" . . .  ነቲ ኢየሱስ ገፋፊ ዓሳ ዝነበረ ገፈፉ ደቂ ሰባት ዝገበሮ ስምዖን ብምዝካር፡ ነቶም መልእኽቲ ዘመሓላልፉ ሰባት፡ ኣብ ተልእኾኦም ብሓጐስን ብተስፋን ክጸንዑ ኣተባብዖም።

ኣብ መወዳእታ ንኻልእ ቀረባ ንምዃን ዝድርኽ ኣቀራርባ ከም ዘድሊ ድጊሞም ብምግላጽ፡  በዚ ኣቀራርባ እዚ ኸኣ ቤተ-ክርስትያን ምስ ዝሰፍሐ ዓለም ብንጥፈት ብምትሕብባር ናይ ሓቂ ርክባትን ምስክርነትን እተቕርበሎም ቦታ ክኾኑ ተላብዮም፡ "ናይ ካቶሊክ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንካቶሊካውያን ጥራይ እዩ ኣይነብል - ጎይታ ወጺኡ ምስ ካልኦት ንኽራብ ነፍቅደሉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 Jan 2025, 16:36