ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ ካፕራኒካ፡ ‘ንኣምላኽን ድኻታትን ቐረባ ኩኑ’
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 20 ጥሪ ናይቲ ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ብካርዲናል ዶመኒኮ ካፕራኒካ ዝተመስረተ ደሓር ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ዝተሓርዩ በነዲክቶስ መበል 15ን ደሓር እውን ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዘምሃረ ካብ ሮማን ካልኦት ዞባታት ኢጣሊያን ከምኡ’ውን ካብ ዝተፈላለያ ሃገረ ስብከታት ዓለም ዝመጹ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዝሓንጽ፥ "Almo Collegio Capranica - ላዕለዋይ ተቕዋም ካፕራኒካ” እተሰምየ ናይ ሰበኻ ሮማ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይን ሓለፍትን መምሃራንን ዲያቆናትን ካህናትን ኣብ ድሮ በዓል ሓላዊት ቅድስቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ቅድስቲ ኣግነስን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥
ኵላውነትን ብዙሕነትን ቤተ ክርስቲያን
“እቲ ተቕዋም ዝገልጾ ብዙሕነት ኵላውነትን ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎን ባህሪ ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር መገልጺ እዩ . . .
"ንሕና ኣካል ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ፍቑራት ቅዱስ ሕዝቢ ኣምላኽ ምዃንና ኣይንረስዕ፡ እቲ ሕዝቢ ኣምላኽ ኣይጋገይን እዩ ዝብል ኣምር ቲዮሎጊያ ኣይትረስዑ”
ቢሎም፥ "እቲ ኣልማ ዝብል ናይቲ ተቕዋም ስም፡ ብናይ ኢጣሊያ ጥንታዊ ቋንቋ “ዝምግብ” ወይ “ህይወት ዝህብ” ዝብል ትርጉም ዘለዎም ካብ ናይ ዳንተ ኣሊጊየሪ ‘መለኮታዊ ጽሑፋት’ ዝተወስደ ክፍሊ ዝተወከሰ ቃል እውን ምዃኑ ቅዱስነቶም ነቶም ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ ኣመልኪቶም፥ መንፈሳውን ሰብኣውን ህንጸት ዘቕርብ እዩ፡ ስለዚ እቲ ተቕዋም ህይወት ዝህብ ኣብ ምዃን ጽዋዕታኡ ክቕጽል ሓደራ ቢሎም፥
“ስለዚ ሓደ ሰብ ‘ዕላማ ዘይብሉ ኮይኑ ’ መንገዱ እንተስሒቱ ‘ጽቡቕ መግቢ’ ክረክብ ይኽእል’ዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ምስ ኣምላኽ ዘሎ ርክብ ህያው ምግባር
ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣርባዕተ ኣገደስቲ ዝምድናታት ክሕልዉ ከምዝግብኦም ቅዱሰንቶም እንክገልጹ፡ እዚ ድማ ምስ እግዚኣብሔር፡ ምስ ጳጳስ፡ ምስ ህዝብን ኣብ መንጎኦምን ዝምልከት ርክብ ዝውክል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እዚ ዝምድናታት እዚ፡ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ኣብ ጉዕዞ እምነቶም “ዕላማ ዘይብሎም” ከይኮኑ ዝውሕስ እዩ . . . ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሲኖዶስ ዘቕረብዎ ጻውዒት መንፈሳዊ ተሓድሶን መዋቕራዊ ጽገናን ምስ ድሌት ኩሉ ዝሰማማዕ ዝያዳ ኣሳታፊትን ልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ንምቛን ዝሕግዝ ሲኖዳውነት ምሉእ ብምሉእ ክቕበሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሲኖዳውነትን ሓልዮት ንድኻታትን
እቲ ላዕለዋይ ቤት ትምህርቲ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ዲያቆናትን ካህናትን ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ፡ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስን ንዝገበሮ ሊጡርጊያዊ ኣበርክቶ ብምምስጋን፡ ምስቶም ኣብ ቅዳሴ ዘገልግልዎም ምእመናን ቅርበት ክህልዎም ተላቢዮም፥
"እቲ እንፍጽሞ ንጥፈታት ምስ ናይ እምነትን ተስፋን ግብረ ሰናይን ህይወት እንተዘይተመጣጢኑ ክርስትያናዊ ሊጡርጊያ ክህሉ ዘይሕሰብ እዩ፥ ቢሎም ንዝተጸገሙ ሰባት ምሕጋዝ ሓዊሱ ከም ጭቡጥ መግለጺ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ዘገልግል ጉስነታዊ ኣገልግሎቶም ንኢዶም፥
እዚ ንድኻታትን ዝተገለሉን ዝኣመተ ኣገልግሎት፡ ተልእኾኦም ክይዝንጋዕ ዝሕግዝ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ምስቶም ናይ ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ህያው መግለጺ ምስ ዝኾኑ ድኻታትን ዝተናዕቁን ውልቃዊ ዝምድና ምግባርን ቀረባ ምዃንን ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ኣስሚሮም፥
“እቲ ኣዚዩ ዘገድስ ምጽዋት ዘይኮነስ እቲ ምስ ድኻታት ዘሎ ርክብ እዩ፣ ምስቲ ኣብኦም ህያው ገዛእ ርእሱ ድኻን ትሑትን ዝገበረ የሱስ እዩ። ቀረባኦም ኩኑ ንኣኣቶም ፍልዩ ኣቃልቦ ይሃልኹም ኣእዳዎም ተንኩፉን ኣገልግልዎምን”
ምስ በሉ፡ ቅዱስነቶም ኣማላድነት ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን - ሓላዊት ህዝቢ ሮማን ናይቲ ተቕዋም ሓላዊት ቅድስቲ ኣግነስን ኣማላድነት ተማህጺኖም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።