ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንግዳያት ሓደጋ ነፋሪት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ጸሎቶም የረጋግጹ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ጥሪ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐተለ ሓደጋ ነፋሪትን ሄሊኮፕተርን ንዝተሃስዩ ኩሎም መንፈሳዊ ቅርበቶም የረጋግጹ።
ኣብ ከባቢ ሃገራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሮናልድ ሬጋን ኣብ መንጎ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኣሜሪካን ወተሃደራዊ ሄሊኮፕተርን ብዘጋጠመ ሓደጋ ግጭት ምኽንያት፡ ብህይወት ዝተረፈ ሰብ ከምዘየለ ክሕበር እንከሎ፡ ኣብታ ነፋሪት 64 ሰባት፡ ኣብታ ሄሊኮፕተር ድማ ሰለስተ ሰባት ከም ዝነበሩን ብህይወት ዝተረፈ ሰብ ከምዘየለ ይእመን።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ቴሌግራም፡ “ነቶም ዝሞቱ ንፍቕራዊ ምሕረት ልዑል እግዚኣብሔር ኣወኪፎም፡ ነቶም ፍቱዋቶም ዝሰኣኑ ቅርብቶምን ጸሎትምን ኣረጋጊጾም፡ “እግዚብሔር ጽንዓት ይሃብኩም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ “ኣብ ጻዕርታት ኣድሕን ህይወት ንዝተዋፈሩ ኩሎም ከምኡ እውን ንመላእ ህዝቢ እታ ሃገር መለኮታዊ በረኸት ምጽንናዕን ሓይልን ከም እተማሕጸኑ ኣፍሊጡ።
ስርሒታት ኣድሕን ህይወት ዘወሃህድ ሓላፊ መጥፋእቲ ሓዊ ዞባ ኮሎምብያ፡ ናይ ሰላሳ ሰብ ሬሳ ከም ተረኽበ ገሊጹ፡ ነቶም ዝተረፉ ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ይቕጽል ምህላዉ ይሕብር።
ጻውዒት ጸሎት ሃገረ ስብከት ኣርሊንግተን
ናይ ሰበኻ ኣርሊንግተን ጳጳስ ፍራንሲስ ቡርብሪጅ፥ “ንኹሎም እቶም ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ሬጋን ብዘጋጠመ ሓደጋ ህይወቶም ዝሰኣኑን በዚ ዘስንብድ ሓደጋ ዝተጸልዉን ክጽለ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ንኣምላኽ ብምሕረቱን ፍቕሩን ክቕበሎን ንስድራ ቤቶ ምዉታት ምጽንናዕን ሓይልን ክጽግዎምን ምእንቲ ኵሎም ኣብ ስርሒት ኣድሕን ህይወት ንዝተዋፈሩን ንጸልይ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።