MAP

2025.01.16 Sua Grazia Haji Dede Edmond Brahimaj, Leader della Comunità dei Bektashi di Tirana 2025.01.16 Sua Grazia Haji Dede Edmond Brahimaj, Leader della Comunità dei Bektashi di Tirana  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ሃይማኖታት ነባሪ ሰላም ንምህናጽ ብሕብረት ክዓዩ ኣለዎም'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ኣልባንያ ዝመጹ ተወከልቲ ናይ እስላማዊ ማሕበር በክታሺ ሥርዓት ደርቡሽ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣዘራረብዎም፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላም ኣብ ምህናጽ ሃይማኖታዊ ዘተ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ ውን ኣጕልሑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተወከልቲ በክታሺ ሥርዓት ደርቡስ ካብ ኣልባንያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸክሶ ኣብዛ ብግጭትን ምክፍፋልን እትዓኑ ዘላ ዓለም ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ሃይማኖታዊ ዘተን ምትሕብባርን ከም ዘድሊ ትማሊ ሓሙስ ደጊሞም ኣመልክቱ።

ዝያዳ ሕውነታዊት ዓለም ንምህናጽ ሓባራዊ ተጸምዶ ኣብ ዘተ የድሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ተወከልቲ ስርዓት ደርቪስ በክታሺ ንዝኾኑ ካብ ኣልባንያ ንዝመጹ ተወከልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን "መራሕቲ ሃይማኖት ንሓድሕዶም ኪከባበሩን፣ ዘተን ሓባራዊ ምርዳእን ከምኡውን ናይ ምትሕብባር ባህሊ ብምጥራይ ሰላም ኸም ዚሰፍን ንምግባር ቃል ብምእታው ዝሓሸትን ዝያዳ ፍትሓዊት ዓለም ንምምስራት ዘሎና ተስፋ ክሕደስን ክረጋገጽን ይኽል ኢዩ" በሉ።

በክታሺስ ካብ መበል 13 ዘመን ኣትሒዙ ኣብ ኣናቶልያ ዘመናዊት ቱርኪያ ዝጀመረ ውሩይ ናይ እስላማዊ ምንቅስቓስ ሱፊ ስርዓት ኢዩ፣ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ኦቶማን ድማ ኣስፋሕፊሑ ነበረ። እዚ ድማ ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ኮሶቮ መቄዶንያ ከምኡውን ሞንቴኔግሮ ንዝነበሩ ኣልባናውያን እውን ኣስፋሕፊሑ ኢዩ።

እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ፍቕርን ተጻዋርነትን መንፈሳዊ ምንቕቓሕን ብምትኳሩ ውሩይ ስርዓት ኢዩ፣ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያንን ምስ ቅድስቲ መንበርን ከኣ በቲ ብዛዕባ ጉዳያት ኣብ መንጎ ሃይማኖታታት ዝኽበር ንክባት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣቢሉ ምሕዝነታዊ ርክብ ከም ዝህልዎ ገይሩ ኢዩ ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ልዑልነቶም ሓክሲ  ኤድሞንድ ብራሂማይ
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ልዑልነቶም ሓክሲ ኤድሞንድ ብራሂማይ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ኣንጻር ዓመጻን ምክፍፋልን ደው ዝብል ሕውነታዊ ምሕዝነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ርክብ እዚ ከም "በረኸት" ገይሮም ኢዮም ዝገልጽዎ፣ "ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓድነትን ሰላማዊ ኩነታትን ንምህናጽ" እናደልደለ ከም ዝኸይድ ድማ ዘለዎም እምነቶ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ግሬስ ሃክሲ ባባ ኤድሞንድ ብራሂማጅ ዝተመርሑ ልኡኻት ኣብ ዘቕረቡሎም መደረ በቲ "ዘይርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዓመጻን ምክፍፋልን" እተበላሸወት ዓለም ሃይማኖታት ብኣንጻሩ "ነቲ ሓባራዊ መኽሰብ ንምርካብ ኣብ ዝግበር መሰረታዊ ስርዓታት ምሕዝነትን ከምኡውን ምትሕብባርን ብዝያዳ ክንቅበሎ" ክሕግዘና ከም ዝኽእል ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብ1993 ኣብ ሃገረ ዩጎዝላቭያ እኳ ውግእ እንተነበረ፣ ምእንቲ ሰላም ዞባ ባልካን እተገብረ ጸሎትን ከምኡውን ነቲ ብ2011 ኣብ ኣሲሲ እተገብረ መዓልቲ ጸሎት ዓለምን ምስ ካልኦት ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን ክርስትያናትን ካልኦት ኣብ ኣልባንያ ዝነበሩ ኣመንትን እተገብረ ዘተታት ውን ከይተረፈ ብሞሳ ዘከርዎ ።  ኣብ ሃገሮም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን እውን ከም ድልድል ዕርቅን ሓባራዊ ብልጽግናን ኰይኑ ከገልግል ከም ዝኽእል ውን ኣመልከቱ።

"ማሕበረሰብ በክታሺ ምስ ካልኦት ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን ክርስትናን ከምኡውን ምስ ካልኦት ኣብ ኣልባንያ ዝርከቡ ሰዓብቲ እተፈላለዩ ሃይማኖታት ኣብ ውሽጢ ሃገርኩም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን እውን ከም ድልድል ዕርቅን ሓባራዊ ብልጽግናን ኰይኑ ከገልግል ከም ዝኽእል ይኣምን ኢየ።"

መጻኢ ሰላም ኣብ ምህናጽ ሃይማኖታዊ ዘተ ዘለዎ ፍሉይ ግደ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ መደረኦም እዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ብድሆታት እኳ እንተ በዝሐ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን ዝርርባትን "ነቲ ህዝብታት ዓለም ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ዘለዎም ብርቱዕ ባህጊ ናይ መጻኢ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ምህናጽ ፍሉይ ግደ" ከም ዘለዎ ኣረጋገጹ።

17 Jan 2025, 15:01