MAP

ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ስርዓት ሶቭየት ሕብረት ኣብ ሞንጎልያ ዝተራእየ ተሓድሶ ሃይማኖት ብዱሃ ይንእዱ ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ስርዓት ሶቭየት ሕብረት ኣብ ሞንጎልያ ዝተራእየ ተሓድሶ ሃይማኖት ብዱሃ ይንእዱ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ስርዓት ሶቭየት ሕብረት ኣብ ሞንጎልያ ዝተራእየ ተሓድሶ ሃይማኖት ብዱሃ ይንእዱ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ጥሪ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካም ምስ ዝኣተወ ናይ ሞንጎሊያ ልኡካን ሃይማኖት ብድሃ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ናይ ሃይማኖት ናጽነት፣ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፣ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ቫቲካንን ሞንጎሊያን ዘሎ ዘላቒ ዝምድና ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጉጅለ ልኡካን ሃይማኖት ቡድሃ ምንጎሊያ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነቲ ካብ 1990ታት ጀሚሩ ኣብ ሞንጎልያ ዝካየድ ዘሎ “ዓሚቝ ሃይማኖታዊ ተሓድሶ ንኢዶም፡ እታ ሃገር “ባህላዊ መንፈሳዊ ልምድታታ ምስ ምዕባለ ሃገር ብምውህሃድ ዝፈጸመቶ ተሓድሶ፡ ናይታ ሃገር ሃይማኖታዊ ውርሻታት ዳግማይ ህያው ዝገበረ ምዃኑ ከም ዘስተብሃሉን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ 1921 ዓ.ም. ክሳብ መወዳእታ 1980ታት ኣብ ሞንጎልያ ምስ ሕብረት ሶቭየት ጥቡቕ ርክብ ዝነበራ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ መርሕነት ዝነበረሉ እዋን፡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ከም ዘይነበረን ካብተን ውሁዳን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናንን ክርስትናን ንላዕሊ እቲ ኣብጻላጺ ሃይማኖት ብድሃ መንጎሊያ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ዓፋኒ ስረዓት ምንባሩ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሞንጎልያን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መደረኦም ምስ ናይ ሞንጎሊያ ሃይማኖት ቡድሃ ልኡካን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክራኸቡ ንፈለፍማ ግዜ ምዃኑ ድማ ገሊጾም፡ እዚ ርክብ እዚ ፍሉይ ትርጉም ከም ዘለዎ ሓቢሮም፡ እዚ እቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ሞንጎልያን ዘሎ ጥቡቕ ርክብ ዘረጋግጽ ምዃኑ ከም ዘመልከቱን፡ እቶም ናይ ሞንጎሊያ ልኡካን ሃይማኖት ቡድሃ ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዉ ብካርዲናል ጆርጆ ማረንጎ ሓዋርያዊ ህየንተ ናይ ሞንጎሊያ ርእሰ ከተማ ኡላንባታር ዝተሰነዩ ምንባሮምን ቅዱስነቶም እውን ኣብታ ሃገር ኣብ ወርጢ መስከረም ኣብ ምብጻሕ ዘካየዱ ናይ መጀመርታ ር.ሊ.ጳ. እውን ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዓመት ኢዮቤል

እቲ ርክብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ እትነብረሉን ንግደት ዕርቅን ተስፋን ኣብ እትፍጽመሉ ዘላ እዋን ዝተኻየደ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፥ “ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ሰብኣዊ ግርጭታትን ኣብ እትልለይ ዓለም፡ እዚ ቅዱስ ዓመት እዚ ​​ናብቲ ዝያዳ ሰላማዊት ዓለም ንምህናጽ ናብ ዝብል ናብ ናይ ሓባር ዕላማ ከነብል ዝዕድመና እዩ - ቢሎም - ነፍሲ ወከፎም ኣብ ትምህርቲ እምነቶም ዝጸንዑ መራሕቲ ሃይማኖታት “ዓመጽ ክነጽጉን ናይ ሰላም ባህሊ ክሓቝፉን” ሓባራዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎም እውን ኣስሚሮም፡ “ንምርግጋጽ ናይ ሃይማኖታዊ ናጽነትን ዘተን ተወፋይነት ሃይማኖት ብድሃ ንኢዶም፡ ከምዚ ዓይነት “ሕውነታዊ ምትሕግጋዝ፡ ልክዕ ከምቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኵለ መዳያዊ ምዕባለ ንሕብረተሰብ ሞንጎልያ ዘሀብትም እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምብጻሕ ናብ ሮማ

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ወከልቲ ሃይማኖት ብድሃ ሞንጎሊያ ኣብ ሮማ ዘሕልፍዎ ግዜ “ዘሐጉስን ዘሀብትምን” ክኾነሎም ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ “. . . ዘተ፡ ሕውነት፡ ሃይማኖታዊ ናጽነት፡ ፍትሕን ማሕበራዊ ስኒትን” ክዕቅቡ፣ ከምኡ’ውን ምስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሞንጎሊያ ዘለዎም ዝምድናታት “ምእንቲ ሰላምን ንናይ ኩሉ ህይወት ሰናይን” ከሐይሉ ኣተባቢዖም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Jan 2025, 16:53