ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ነቲ ፈላሚ ዘመናዊ ስርዓተ ኣምልኾ ተሓድሶ ዝኾነ ኣበ ምኔት ጉረንገር ይዝክሩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣብ ፈረንሳ ንገዳም በነዲክቶስ ዳግማይ ዝሓደሱ ኣበ ምኔት ፕሮስፐር - ሉዊስ - ፓስካል ጉረንገር (1805 - 1875) ኣብ ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ዕረፍቶም ንማሕበር ገዳማውያን በነዲክቶስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣበ ምኔት ፕሮስፐር - ልዊስ - ፓስካል ጉረንገር ፈላሚ ዘመናዊ ስርዓተ ኣምልኾ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መንፈሳዊ መራሒ
ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፈረንሳ፡ ካብ መንበረ ጴጥሮስ ዝያዳ ንኽትርሕቕ ዝዓዪ ንዝነበረ ምንቅስቓስ ጋሊካኒስት ዝቃወሙ ዝነበሩ ኣበ ምኔት ጉረንገር፡ ናይቲ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ናይ ዝተበገሰ ዘመናዊ ስርዓተ ኣምልኾ ተሓድሶ ፈላሚ ተባሂሎም እውን ዝግለጹ ምዃኖም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣቦ መንበር ጉባኤ ገዳም ሶለስሜስ ኣበ ምኒየት ጄፍሮይ ኬምሊን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፡ ነቶም ኣሰር ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣባ ጒራንገር ብምስዓብን ወርሻኦምን ፍልጠቶምን ንምዕቃብን ንምስፋሕን ዝሰርሑን ነዚ ትውፊት እዚ ዝቕጽሉ መነኮሳት በነዲክቶስ ኣመስጊኖም፥
ምስቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ሓቢሮም፥ ብፍላይ ኣባ ጒራንገር ኣብ ሓሙሽተ ወሰንቲ መዳያት፡ ማለት ኣብ ፈረንሳ ናይ በነዲክቶስ ገዳማዊ ሕይወት ምሕዳስ፡ ኣብ ስርዓተ ሊጡርጊያ ዝፈጸምዎ ስነ መጽናዕታዊ ዕዮ፡ ንቅዱስ ልቢ ኢየሱስን ድንግል ማርያምን ዝነበሮም ተወፋይነትን፡ ንሃምነናዊ ትምህርቲ ብዛዕባ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያምን ኣብ ትምህርቲ እምነት ር.ሊ.ጳ. ዘይጋገይ እዩ ንዝብል ውሳኔ ቤተ ክርስቲያን ድጋፎምን፡ ከምኡ’ውን ንናጽነት ቤተ ክርስቲያን ጠበቓ ኣብ ምዃን ዝገበርዎ ኣበርክቶ ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ተሓድሶ ሮማዊ ስርዓተ ኣምልኾ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣስዒቦም፥ ኣባ ጉረንገር ኣብቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔ ብዛዕባ ሰርዓተ ኣምልኾ ወይ ሊጡርጊያ ዝገበርዎ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ሂቦም፡ ኣባ ጉረንገር ሊጡርጊያ ቤተ ክርስቲያን እምነታ እትገልጸሉ ቋንቋ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ስርዓተ ኣምልኾ ወይ ሮማዊ ሊጡርጊያ ሓድነት ክህሉ ዝገበርዎ ጻዕርን፡ ብዛዕባ ሊጡርጊያ ዝምልከት ንሰፊሕ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋቶም፡ ብፍላይ ድማ ጽባቐን ሃብትን ስርዓተ ኣምልኾ ንኹሉ ተበጻሒ ንምግባር ዝዓለመ ዘነቓቐሕዎ ሊጡሪጊያው ዓመት ይዝክሩ።
ነቲ “ጸሎት ቤተ ክርስቲያን ንእዝንን ልብን እግዚኣብሔር ዝያዳ ዘሐጉስ እዩ” ዝብል ናይ ኣባ ጒራንገር ትምህርቲ ዘኪሮም፡ ኣብነቶም ንባህሊ ስርዓታዊ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ዝተሓደሰ፡ ፍቕሪ መንበረ ጴጥሮስ፥ ‘ምስ ጴጥሮስን ትሕቲ ስልጣን ጴጥሮስን’ ብዝብል ዝዓሞቐ መንፈስ ሓድነት ዝድረኽ ክኸውን ዝድርኽ ኽከውን ብምሉ ተስፋ ይምህሩ ከም ዝነበሩ ቅዱስነቶም ኣብ መልኽቶም ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣብነት ንኣበ ነፍሳት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ መልእኽቶ ዘጉልሕዎ ካልኣይ ነጥቢ፡ መንፈሳዊ ኣቦነት ኣበ ምኒየት ጉራንገር ክኸውን እንከሎ፡ “ንነፍሳት ኣብ ምድላይ ኣምላኽ ንምምራሕ” ዝገበርዎ ተወፋይነት ጠቒሶም፥ ኣብ ሰላማዊ ግዜ ይኹን ኣብ ጸበባ፡ እምነት ናይቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት የደልድል፡ ናይ ጸሎት ሕይወቶም ይሕብሕብ፡ ንቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ፍቕሪ ድማ የዕምቕዎ ከም ዝነበሩ ኣብሪሆም፡ ኣብዚ እውን ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብነት መንፈሳዊ ኣቦነቶም ንብዙሓት ኣብ ናይ እምነት ጉዕዞኦም ዘነቓቕሕ ኮይኑ ክቕጽል ተስፋኦም ገሊጾም፥
“ንመንፈስ ቅዱስ ተኣዛዝነትን ኣብ ኣገልግሎትን ዝሃብዎ ኣብነት ንብዙሓት ምእመናን ብመገዲ እግዚኣብሄር፣ ‘ለዋሃትን ትሑትን ልቢ’ (ማቴ 11፡29) ከነቓቕሕን ክመርሕን እምሕጸን”
ምስ በሉ፡ “ኣብ መላእ ህይወት ምእመናን ፍረ ቅድስና ክፈርን ኣብ ሕመረት ቤተ ክርስቲያን ንዘሎ ፍረ ገዳማዊ ሕይወት ህያው ምስክር ኮይኑ ክቕጽልን” እጽልይ እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።