መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንዓለም ለኸ መዓልቲ ሕሙማን፡ ኣብ ግዜ ፈተና ተስፋ ሓይልና እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 33 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕሙማት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዉን ዝከናኸንዎምን ዘጋጥሞም ዓሚቝ ሕቶታት ናቶም ገይሮም፥ “ኣካላትና ግዳይ ከቢድን ኣድካምን ሕማማት ኮይኑ ክንከይድ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝኾነ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ሕክምና ዘድልዮ ክኸውን እንከሎ፡ ነዚ ኵነት እዚ ከመይ ገይርና ኢና እንጻወሮ? ነቶም ዝድግፉና እንፈትዎም ሰባት፡ ክሕግዙና ኣብ ጎድንና ዝኾኑ ግን ሓይሊ ዘይብሎም ኮይኑ ክስምዖም እንከሎ፡ ከመይ ጌርና ኢና ጽንዓት ከነርኢ እንኽእል?” ዝብሉ ሕቶታት የቕርቡ።
ሓቀይና ተስፋ “ቀረባናን ብሓቂ ድማ ኣብ ግዜ ፈተና ዘበርትዓናን” እኳ እንተዀነ፡ እዚ እምንቶ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓቀይና ዅነታት መከራ ክደክም ይኽእል እዩ። “ኣብ ከምዚ ኩነታት” ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መልእኽቶም፥ “ክንይው ሰብኣዊ ዓቕምና ዝኾነ ሓይሊ ከምዘድልየና ነስተውዕል። ሓገዝ ኣምላኽን ጸጋኡን ሓልዮቱን ህያብ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ሓይልን ከም ዘድልየና ንርዳእ፡” ቢሎም፥ “ምእመናን እግዚኣብሔር ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዎ ቅርበት ዘረጋግጽ ‘ርክብን ውህበትን NJፋልን’ ዝብሉ ሰለስተ ነጥብታት ከስተንትኑ” ይዕድሙ።
ርክብ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኢየሱስ ነቶም 72 ኣርድእቱ ልኡካነ ወንጌል ንኽኾኑ ክልእኾም እምክንሎ፡ “ሕሙማን ኣሕውዩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ፡ ከኣ በልዎም” ከም ዝበሎም፡ እዚ ኸኣ፡ “ንሕሙማን ክሕግዙዎምን ድኻሞም ክርእዩን እቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ሕማም ምስ እግዚኣብሔር ዘራኽቦም ዕድል ገይሮም ክነብርዎ ድማ ምሕጋዝ” ማለት እዩ።
እዚ ርክብ እዚ፡ ለውጢ ዘምጽእ ክኸውን ከምዝኽእልን፡ "ኣብ መንጎ ህቦብላታት ህይወት ጸግዒ ዝኾነና ጽኑዕ ከውሒ፡ በይንና ከም ዘይኮንና ዘረጋግጸልና ዘሐይለና ተመክሮ" ክህልወና ዝገብር ምዃኑ ይገልጹ።
ውህበት
እዚ ድማ መከራ ከጋጥመና እንከሎ፡ እቲ መከራ ቅርበት እግዚኣብሔር ክስምዓና ዝገብር ህያብ ኮይኑ ክስምዓናን፡ “ካብ ዝኾነ ነገር ንላዕሊ፡ መከራ ተስፋ ካብ ጐይታ ከም እትመጽእ ንኸነስተውዕ ይሕግዘና። በዚ ኸኣ፡ ብቐዳምነትን ልዕሊ ዅሉን፡ ‘ንተኣማንነት ኣምላኽ እሙን ኰንካ’ ክትቕበሎ፡ ክኹስኮስ ዘለዎ ህያብ ምዃኑ ድማ የብርሁ።
ቅዱስነቶም ቀጺሎም፡ “ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ናይ ገዛእ ርእስና ህይወትን ዕጫን ኣብ ውሽጢ እቲ ደረት ኣልቦ ኣድማስ ዘለኣለማውነት ቦታ ዝረክብ፡” እንክብሉ ገሊጾም፡ እቲ ካብ ክርስቶስ ዝፈልየና ነገር የለን ዝብል “ዓቢ ተስፋ . . . ምንጪ ናይቶም ኩሎም ኣብ ፈተናታትን ዕንቅፋታትን ህይወት መንገድና ክንርኢ ዝሕግዙና ንኣሽቱ ብልጭታ ብርሃን እዩ” እንክብሉ በነዲክቶስ መበል 16 ጠቒሶም ይገልጹ።
NJፋል
ኣብ መወዳእታ እግዚኣብሄር ብናይ NJፋል ተግባር ኣቢሉ ይቐርበና፣ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቦታታት መከራ ዝረአ ሓቂ እዩ። “ኣብ ጐድኒ ዓራት ሕሙማን ክንርከብን ክንበጽሖምን እንኮለና፡ ተስፋ ምግባር ንመሃር!” ቢሎም፡ “ምስቶም ዝሳቐዩ ሰባት ብዘለና ቅርበት፡ ክንደይ ግዜ ኢና እምነት ክህልወና ንመሃር! ክንደይ ሳዕ፡ ነቶም ዝተጸገሙ ክንከናኸን እንኮለና፡ ፍቕሪ ንረክብ!”
ኣብ መንጎ ሕሙማን፡ ሓኻይም፡ ኣለይቲ ሕሙማን፡ ቤተሰብን ፈተውትን “ጽባቐን ኣገዳስነትን ናይዚ ብጸጋ ዝተመልአ ርክባት ከመይ ጌርካ ከም እተድንቕ ምምሃር” ከምዘድሊ ኣጒሊሖም፡ “እዚ ዅሉ ክኽበር ዘለዎ ጩራ ብርሃን እዩ፡ ኣብ መንጎ ጸላም ለይቲ ጸበባ እውን ከይተረፈ ሓይሊ ይህበና: ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ድማ ብፍቕርን ቅርበትን ዓሚቝ ትርጉም ህይወት ይምህረና” ይብሉ።
ተራ ኢዮቤል
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ዝሓመሙን ዝሳቐዩን እናሓሰቡ፡ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ “ብፍላይ ኣገዳሲ” ግደ ከምዘለዎም ብምዝኽኻር፡ “ህሙማን ዝገብርዎ ናይ ህይወት ጉዕዞ ንኹሉ ሰብ ምልክት ተስፋ’ዩ፡ ‘መዝሙር ክብርን መዝሙር ተስፋን’ እዩ፡” ቢሎም ንህሙማን ስለቲ ምስክርነቶም ድማ፡ ብስም መላእ ቤተ ክርስቲያንን ብስሞምን ኣመስጊብኖም፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ጸሎቶም ህልዋን ምዃኖም ኣረጋጊጾም፡ ብራኬኦም ኣመሓላሊፎም መልእኽቶም ይዛዝሙ።
ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕሙማን 2025 ዓ.ም.
ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕሙማን በብዓመቱ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ማርያም ዘሉርድስ ዕለት 11 ለካቲት ዝዝከር ኮይኑ፡ ብፍሉይ ኣገባብ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት፡ ኣብ መካነ ንግደት ቅድስቲ ማርያም ዘሉርድስ ይጽንበል።
ይኹን’ምበር ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ኣብ ግምት ብምእታው ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ፡ ነቲ ኣብ 2025 ዓ.ም. ኣብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘሉርድስ ክፍጸም ዝነበሮ ጽምብል መዓልቲ ሕሙማን ንሓደ ዓመት ከደናጉይዎ ከም ዝመረጹ፡ ኵለንትናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ዳግማይ ስብከተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘፍለጡ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፡ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውሳነ ዕለት 27 ጥሪ ብወግዒ ከም እተሓበረን እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፥ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ካብ ዕለት 5 - 6 ሚያዝያ መዓልቲ ኢዮቤል ሕሙማንን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናንን ካብ ዕለት 28 – 29 ጥሪ ድማ መዓልቲ ኢዮቤል ኣካለ ስንኩላን ክዝከር ምዃኑ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን የመላኽት።