ር. ሊ. ጳ. ድሕሪ ምህማም ምድሪ ኣብ ካቺን ምያንማር ንረድኤት ጻውዒት ኣቕሪቦም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ካቺን ምያንማር ኣብ ዝርከብ መዐደኒ ጃድ ብዘጋጠመ ዕንወት ዝተጐድኡ ሰባት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ክረድኦም ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ ።
ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኢጣልያውያን ምእመናንን መንፈሳውያን በጻሕትን ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ነቲ ኣብቲ መዐደኒ ዝነበረ ሓያሎ ኣባይቲ ዘፍረሰ ምህማም ምድሪ ዘከሩ እዚ ድማ ምኽንያት "ሞትን ጥፍኣትን ከምኡውን ከቢድ ጕድኣት ኮይኑ ኣሎ" በሉ።
ብመሰረት ዘ ኣሶሽየድ ፕረስ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ዘውጽኦ ዘገባ እንተ ወሓደ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም ብዙሓት ካልኦት ድማ ደሃዮም ከም ዘይተረኽበን እንተ ወሓደ 50 ኣባይቲ ተቐቢሩ ከም ዝተረፈ ወይ ዓንዩ ከም ዘሎ የመላኽ።
ናብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝቐረበ ምሕጽንታ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቶም በዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ እተጐድኡ ህዝቢ ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎምን ከምኡውን ምእንቲ እቶም ዝሞቱ ሰባትን ምእንቲ ስድራቤቶምን ይጽልዩ ኸም ዘለዉ ገለጹ ።
"እዞም ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት ዝጻሩ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ደገፍን ሓድነትን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣይጉደሎም" ብምባል ውን ተማሕጸኑ።
ከም ልማዶም ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ንዅሎም እቶም ቀጻሊ ውግእን ግጭትን ዘለዎም ሰባት ውን ሰላም ክሰፍን ምሕጽንታ ኣቅረቡሎም ።
ኣልባብ ኣፍረይቲ ኣጽዋር ምቕያር
"እብተን ሰማእታት ዝዀና ዘለዋ ዩክረይንን ምያንማርን ፍልስጥኤምን እስራኤልን ከምኡውን ብዙሓት ካሎት ሃገራት ጌና ውግእ ይቕጽል ከም ዘሎ ኣይንረስዕ" ብምባል ውን ኣትሪሮም ተዛረቡ።
ንዅሎም እሙናን ሰላም ምእንቲ ክሰፍን ኪጽልዩ ብምምሕጻን ውግእ ወትሩ ስዕረት ከም ምዃኑ ኣዘኻኸርዎም ።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ብፍርያቶም ገይሮም ኣብ ምቕታል ደቅሰባት ስለ ዚሕግዙ ዘለዉ ልቢ ኣፍረይቲ ኣጽዋር ኪቕየር ንጸሊ" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።