ር. ሊ. ጳ.፦ ኢየሱስ ብሓድነት ናብኡ ምስ እንጕዓዝ ንተስፋና የጽንዖ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ቀዳም ምሸት ኣብቲ ኣብ ስግር መናድቕ ሮማ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎተ ዋዜማ "ኢየሱስ ወትሩ ተስፋና ዳግም ከም ዘጽንዖ፣ ወንጌል ይነግረና እዩ" በሉ። "ካብ ሓምዅሽቲ ሞት ብቐጻሊ የተንስኣና፣ ከም ብሓድሽ ንኽንቅጽል ድማ ሓይሊ ይህበና።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንክርስትያናዊ ሓድነት ዝተወፈየ ሰሙን ጸሎት ዝተዛዘመሉ ዕለት ክበረ በዓል ቅዱስ ጳውሎስ፣ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ድሕሪ ሞት ኣልኣዛር ሓዋ፣ ምስ ማርታ እተራኸበሉ ኩነት ኣብ ዘዘንቱ ቃል ወንጌል ኣስተንተኑ ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቲ ማርታ ኣብ መወዳእታ ዘመን፣ ኣብ ግዜ ትንሳኤ ምዉታት ከም ዝትንስእ ከም እትኣምን ምስ ነገረቶ፣ ኢየሱስ ምላሽ እንክህባ ንሱ ባዕሉ ትንሳኤን ህይወትን ምዃኑ ኣረጋገጸላ "ነዚዶ ትኣምነሉ ኢኺ?" ውን በላ።
እዛ ክፍሊ ወንጌል እዚኣ ፍረ ነገር ናይዛ ዓመት እዚኣ ሰሙን ጸሎት ምእንቲ ክርስቲያናዊ ሓድነት ኢያ ዝነበረት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ "ኣብ ዓሚቝ ሓዘን እውን ከይተረፈ በይንና ከም ዘይኰንናን ተስፋ ከም ዘሎናን" ዝምህሩና ኢዩ።
እዚ ኸኣ ኣብ ህይወትና ጥራይ ዘይኰነስ "ንህይወት ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ኣብያተ-ክርስትያንን ከምኡውን ንቝጠባዊ ርክባትናን" ኣገዳሲ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ዓቕልና እንተ ጸቢቡና ወይ ተስፋ እንተ ቘሪጽና ግን ኢየሱስ ናባና ይመጽእ እዩ ። "ነዚ ንኣምነሉ ዲና?" ክብሉ ቅዱስነቶም ሓተቱ ። "ትንሳኤን ህይወትን ንሱ ምዃኑ ንኣምን ዲና?"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም እዚ ኣብ ወንጌል ዝርከብ ናይ ተስፋ መልእኽቲ “ኣብ ልቢ” ዓመት ኢዮቤል ዘሎ ከም ምዃኑ ገለጹ። እዚ ኸኣ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ዝመጽእ ተስፋ ኮይኑ፣ መሰረት ናይቲ ኣብ ኢቁመናዊ ጕዕዞ ዝግበር ጕዕዞ ዘሎ ተስፋ ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወሲኾም እውን፣ ዓመተ 2025 መበል 1700 ዓመት ናይቲ መጀመርታ ዓብዪ ኢቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ኸም ዝኾነ ኣመልከቱ። ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ እዚ እምነት እዚ "ካብቲ ንዘመናት ንኣካል ክርስቶስ ንምክፍፋል ዝቃለሳ ዝነበረ ምፍልላይ፣ ካብኡ ንላዕሊ ሓባራዊ ጸዋዕታ እምነት ዘለዎ እዩ።" ዝኽሪ እቲ ኣዋጅ ድማ "ንዅሎም እቶም ሓደ ዓይነት እምነት ዝኽተሉን፣ ኣብ ሓደ ኣምላኽ ዚኣምኑን ክርስትያን ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ " በሉ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ነቲ ሓባራዊ ሱር እምነት እንደገና ንመርምሮ" ውን በሉ። "ሓድነትና ውን ንዓቅብ!"
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ነቲ ክርስትያን ምእመናን "ኣብ ሓደ ሓባራዊ ዕለት በዓለ ትንሳኤ፣ ብሓድነት ንምኽባር ወሳኒ ስጕምቲ ኣብ ምውሳድ" ብሓባር ክዓዩ ንዘቕረብዎ ምሕጽንታ ንምሕዳስ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቕሙሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ነቲ ዘስተንተኑሉ ቅዉም ሓሳብ ኣብ ምድምዳም፣ "ኣብ የሱስ ወትሩ ተስፋ ኣሎና " ብምባል ኣትሪሩ ተዛረቡ፣ ብሓድነት ናብኡ ኽንጐዓዝ ከሎና ኸኣ፣ ተስፋና ዘጽንዕ ኢየሱስ ባዕሉ ኢዩ ። ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም ናብቲ ኢየሱስ ንማርታ ዝሓተታ ሕቶ ዳግም ምልስ ብምባል "ነዚ ትኣምንዎ ዶ? ኣብ ንሓድሕድና ሓሳብ ንሓሳብ ኣብ ምልውዋጥ ከ ንኣምን ዲና?"
ኣብ መደምደምታ ቅዱስ ኣቦና "ፍቑራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነቲ ኣብ ሓደ ኣምላኽ ዘሎና እምነት እነረጋግጸሉን፣ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ከኣ መገዲ ሓድነት እንረኽበሉ እዋን ሕጂ እዩ ... ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝብታት ነቲ ምንጪ ዅሉ ተስፋና ዝዀነ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ካብ ምምስካር ከቶ ኣይንሰልኪ" ብምባል ስብከቶም ዛዘሙ።