MAP

2025.01.22 Udienza Generale 2025.01.22 Udienza Generale  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ናብ ቍምስና ቃዛ ደዊለ ኔረ፣ ሕጉሳት እዮም ዘለዉ፣ ምእንቲ ሰላም ንጸሊ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ናብ ኣባላት ናይቲ ኣብ ቃዛ ዝርከብ ቍምስና ደብረ ቅድስቲ ስድራ ከም ዝደወሉ ብምምልካት፣ ብዛዕባ ዝገብረዎ ዝርርብ ይዝክሩ፣ ነቶም ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተረኽቡ ምእመና ከኣ፣ ኣብተን ብውግእ ዝዓንዋ ዘለዋ ሃገራት፣ ብፍላይ ከኣ ምእንቲ እቶም ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ኣረጋውያን ሰላም ክረኽቡ ጸልዩ ክብሉ ምሕጽንታ ኣቕረቡሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቃል ምሕጽንታ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ

ቅድስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ኣብቲ ኣብ ሰሙናዊ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ በቶም ትውልደ ኣርጀንቲና ዝኾኑ ቆሞስ ክቡር ኣባ ጋብሪኤል ሮማነሊን ተሓጋጋዚኦም ክቡር ኣባ ዩሱፍ ኣሳድን ኣብ ዚምራሕ ቁምስና ቃዛ ንዝርከቡ ምእመናን፣ ብመስመር ስልኪ ረኺቦም ከም ዘዘራረብዎም ገለጹ።

ኣብቲ ዘካየድዎ ናይ ስልኪ ጻውዒ፣ ቅዱስ ኣቦና "ኸምቲ መዓልታዊ ዝገብሮ ዝነበርኩ፣ ትማሊ ውን ነቶም ኣብ ቃዛ ዝርከቡ ምእመናን ደዊለ ረኸብክዎም። ሕጉሳት እዮም ዘለዉ ። ኣብቲ ቍምስናን ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ትምህርትን ኣስታት 600 ዝኾኑ ምእመናንን ኣለዉ ። ንሳቶም ከኣ 'ሎሚ ስጋ ደርሆን ብርስን ንበልዕ ኣለና፣ እዚ ኸኣ ኣብዝ ዝሓለፈ ግዜ ዘይንረኽቦ ዝነበርና እዩ። ሒደት ኣሕምልቲን ገለ ካልእ መግበን ጥራይ ኢዩ ዘለና . . . በሉ፣ እንተ ኾነ ሕጉሳት እዮም ዘለዉ" ክብሉ ውን ቅድስነቶም መስከሩ።

ብዛዕባ እቲ ን15 ኣዋርሕ ክቕጽል ዝጸንሐ ቅትለትን ዓመጻን ፍርሕን ከምኡውን ጥሜትን፣ ቅዱስነቶም ምስ ክቡር ኣባ ሮማኖሊ ብተደጋጋሚ ብናይ ስልኪ መስመር ደዊሎም ክከታተሉ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር ኢዩ፣ እቶም ምእመናን በቲ ዝሓለፈ ሰንበት እተገብረ ውዕል ምቑራጽ ተኹሲ፣ ናብ ንቡር ህይወቶም  ብምምላሶም ዘለዎም ሞሳ ገለጹ ።

ኣብተን ቀዳሞት ሰዓታት እቲ ውግእ ደው ኣብ ዝበለለን፣ ቆሞስ ናይታ ኣብ ቃዛ እትርከብ ቍምስና ደበረ ቅድስቲ ስድራ ክቡር ኣባ ሮማነሊ፣ ህይወት በብቝሩብ ናብ ንቡር ብኸመይ ከም ዝምለስ ዘሎ ገለጹ። ነዚ ድማ "ናብ ሰላም ዝመርሕ ስጕምቲ" እክብሉ ዝጸውዕዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምሳታቶም ዘለዎም ቅርበትን ሓድነትን ድማ ኣጕልሑ።

ኣብ ብምሉኡ እቲ ዝሓለፈ እዋናት ውግእ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍንቸስኮ፣ ልክዕ ሰዓት 7 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣቢሎም፣ ነቶም ምእመናን ብመስመር ስልኪ ደዊሎም ይጽልዩሎምን ቡራኬኦም ይካፍልዎምን ነበሩ፣ ከምኡውን ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቃዛ ዚርከብ ካህን ሃለዋቱ ይሓቱ ነበሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ነቶም ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እተረኽቡ ምእመናን፣ ምእንቲ ቃዛ፡ ዩክረይን ማእከላይ ምብራቕን ከምኡውን ምያንማርን ክጽልዩ እንክምሕጸንዎም፣ "ምእንቲ ቃዛ፣ ኣብኣ ሰላም ምእንቲ ክሰፍን፣ ከምኡውን ምእንቲ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ዓለም ሰላም ክርከብ ንጸሊ" ብምባል ከም ብሓድሽ ምሕጽንታኦም ኣቕረቡ።

ውግእ ወትሩ ስዕረት ከም ዝኾነን፣ ሰላም ክርከብ ከም ዘለዎን፣ ካብ ውግእ "መኽሰብ" ዝረኸቡ እቶም ኣፍረይቲ ኣጽዋር ጥራይ ምዃኖምን ውን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ዩክረይን እንክሓስቡ፣ ንዅነታት ኣረጋውያን ብፍሉይ ኣዘኻኸሩ። "ነቶም ኣብ ዩክረይን ብዜሕዝን ውግእ ዚሳቐዩ ዘለዉ ኣረጋውያን ኣብ ጸሎትኩም ዘክርዎም" ብምባል ውን ቃል ምሕጽንታኦም ዛዘሙ።

22 Jan 2025, 12:30