ር.ሊ.ጳ. ንጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ እትህብዎ ድጋፍ ክቡር እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ኵላትና ንሓድሕድና ኽንተሓጋገዝን ክንደጋገፍን ኣሎና፡ እዚ ኸኣ ንውልቀ - ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ንብምልእታ ቤተ-ክርስትያን እውን ዝምልከት ኢዩ።" ቅዱስነቶም ነዚ ዝበሉ እቲ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ቅዋሜኡ ንምብዓል ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ኣባላት ማሕበር ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ተቕቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ማሕበር እዚ ንዕዮ ናይቲ ኣብ 1520 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ዩልዮስ ዳግማዊ እተመስረተ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ንምድጋፍን ነቲ ንጳጳስን ንቫቲካንን ናይ ምዕቋብ ነባሪ ተልእኾኦም ንምርግጋጽን ዓሚቱ ኣብ 2000 ዓ.ም. ዝቖመ ማሕበር ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣገልግሎቶም ኣንከመስግኑ፥ እቲ ትካል ነቶም ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ዝገብሮ ደገፍ፥ "ነቲ ንቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ኣገልግሎት ንኵላዊት ቤተ - ክርስትያን ዝተክኦ" ዝድግፈሉ መገዲ ምዃኑ ገሊጾም፡ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣብቲ ካብ ዝምስረት 500 ዓመት ኣብ ዘቑጽረሉ ዘሎ እዋን ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ነጋድያን ኣብ ምቕባል እውን ሓዊስካ፡ ዝተጓዕዞ መገዲ ቀሊል ከም ዘይኮነ ኣዘኽኺሮም፡ "ነዚ ንምግባር ትዕግስቲ የድሊ፣ እቶም ኣባላት ሓለዋ ጸጥታ እውን ነዚ ዘስተውዕሉን ዝትግበሩን እዮም፡ እቲ ዘለዎም ዓብዪ ትዕግስቲ፡ ባህ ዘብል ሰናይ ኣብነት እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ቁጽሪ ኣባይቲ ስድራ ሓለዋ ስዊዘርላንድ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ
ማሕበር ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘገልግሉ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ብኣገደስቲ መገድታት ከም ዝሕግዝ ገሊጾም፥ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝገብርን ኣባላት ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ደቆም ንምምሃር ኣብ ዘለዎም ወጻኢታት ዝሕግዝ ምዃኑ ሓቢሮም፥ "ኣባላት ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ክምርዓዉ ክፈርዩን ስድራቤት ክምስርቱ ክርእይ ብሓቂ እዩ ደስ የብለኒ . . . እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ቢሎም፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ስድራን ውላድን ዘለዎም ኣባላት ሓለዋ ጸጥታ ቁጽሮም ከምዝወሰኸ እውን ጠቒሶም፥ ጽቡቕ ሂወት ኣባይቲ ስድራ፡ ንቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ብመሰረቱ ኣገዳሲ እዩ፡ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ማሕበር ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ብተወሳኺ እቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ቀጻሊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱን ኣብ ሓለዋ ጸጥታ ዝጥቀመሉ መጋበርያታት ምስ ህልው ኩነታት ዝመጣጠን ክኸውን ኣብ ምግባር ዝድግፍ እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ ሃገር ቫቲካን ዝህብዎ ኣገልግሎቶም ወዲኦም ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ ኣባላቱ ዝህቦ ድጋፍ ምኽንያት ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።
ምትሕብባር ንሓባራዊ ተልእኾ
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ማሕበር ዝገብሮ ዘሎ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ኩሎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ ምዃኖምን ምእንቲ ሰናይ ንቤተ ክርስቲያን ብሓባር ክሰርሑ ከምዘለዎምን መዘኻኸሪ ኮይኑ ከምዘገልግል ድማ ኣመላኺቶም፥
“ኣብዘን ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ንጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ዝገበርኩምዎ ልግሲ ዝመልኦ ደገፍ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ልባዊ ምስጋናይ ክገልጽ እፈቱ . . . የቐንየለይ፡ ብጣዕሚ አመስግን!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።