ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ተስፋ ናብ ሰላም ክትርጎም ምስራሕ ከም ዘድሊ የተሓሳስቡ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ተስፋ ንሻድሻይ ኣህጉራዊ ጉባኤ “ንሚዛናዊ ዓለም፡” ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ኣረጋጊጾም፡ ልክዕ ነቲ መድረኽ “ክፉት፡ ብዙሕነታዊ ህብረ ዓውድታት ዘለዎ ክኸውን ስለ ዝድርኾን፡ ንልቢ ናይ ሎሚ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘንቀሳቕስ ረቛሒታት ናይ ምልላይ ብቕዓት ዝህብ ስለ ዝኾነ እንክብሉ፡ ናብቲ ካብ ዕለት 28 ክሳብ ዕለት 31 ጥሪ ኣብ ኩባ ርእሰ ከተማ ሃቫና፡ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፡ ኣብ መደረኦም፡ ንክርስትያን ኣብቲ ኣካል ህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብን ማሕበረሰብን ዝዀነ ቓልሲ ንኽካፈሉ ድሉዋት ንኽዀኑ ዘኽእሎም እምነትን ፍቕርን ኣብ ዝህብ ዓመት ተስፋ የተኵሩ።
ተስፋ ናብ ሰላም ክትርጎም ምስራሕ
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ዝሃብዎ መግለጺ ብምዝካር፡ ኣብ "ናይ ግዜ ምልክታት" ዘሎ ኣሰር ተስፋ ጠቒሶም፡ ተሳተፍቲ፡ "ንገዛእ ርእስና ብኽፍኣትን ዓመጽን ከም ዘይተሰዓርና ዘርእይ፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ሰናይ ነገር ከለልዩ ዓዲሞም፡ እዚ እምነት እዚ፡ “ተስፋ ኣብ ዓለም ናብ ሰላም ክትርጎም ብትብዓት ክንዓዪ ዝድርኸና እዩ፡” እንክብሉ ዘለዎም እምነት ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ እምንቶ እዚ “ስነ - መጐት ዓመጽ ገዲፍና፡ ንነባሪ ሰላም ዝዓለመ ዘተን ደሞክራስን ንምህናጽ፡ ብትብዓትን መሃዝነትን ክንሰርሕ ቃል ክንኣቱ ጻውዒት የቕርበልና” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ንመጻኢ ብተስፋ ምጥማት
እዚ ድማ ንኹሎም ኣብ ህይቶም ጸገማት ዘጋጥሞም፡ “ብተስፋ ናብ መጻኢ ክጥምቱ” ምሕጋዝ ከም ዝሓትት ኣዘኻኺሮም፥ እዚ ብግዲኡ ንድኻታትን ዝተገለሉን “ኣብ ገዛእ ርእሶምን ኣብ ሕብረተሰብን” ዳግማይ እምንቶ ከሕድሩ ዚሕግዝ ተበግሶታትን መገድታትን ምድጋፍ ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም፡
“ድኻን ህሙማንን፡ መንእሰያትን ኣረጋውያንን፡ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፡ ዋላ እቶም ናጽነቶም ዝተነፍጎም፡ ኣብ ማእከል ሓሳብናን ተግባራትናን ክኾኑ ኣለዎም፡” እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፡ “ማንም ሰብ ከይግለልን ናይ ኩሉ ሰብ ሰብኣዊ ክብሪ ምእንቲ ክኽበር፡” እቲ ክርስቶስ ‘እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ዝበሎ ዘኪሮም፡ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ሰብኣዊ ስድራቤትን ደቂ ኣምላኽን "ኣሕዋትን ኣሓትን" ተባሂሎም ኣብ ዝጽውዑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ምስሊ ኣምላኽ ንኸለልይዎ ዓዲሞም፡
ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ኣበርክቶ ምግባር
እንተዀነ ግን ነቶም ኣብ ክርስቶስ እምነት ዘይብሎም እውን ከይተረፈ፡ "ኵላትና ብተኣማንነት ሕውነታዊ ልግሲ ክንነብር ስለ እተጸዋዕና፡ ኵሉ እቲ ንኻልኦት እንገብሮ ነገራት ከኣ ብደረጃ ውልቀ - ሰብን ብማሕበረሰብን ጽልዋ ስለ ዘለዎ ቢሎም፡ እዚ መረጋገጺ እዚ ዓቅብዎ . . . “ኩሎም ዘድሊ ክረኽቡ ዝደሊ ተስፋ ምሕናጽ፣ ካልኦት ምስ ድኻታት ክካፈሉ ምምሃር፣ ንኻልኦት ብለጋስ ኣቀባብላ ንገዛእ ርእስና ክንከፍት፣ ንሕና ድማ እንታይ ዘሎና ኩሉ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ከመይ ጌርና ከም እነውዕሎ ክንፈልጥ ኢና፡ እዚ ካብ ፍቕሪ ኢና እንመሃሮ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።