ር. ሊ. ጳ. ኣብ መንበሪ ገዛኦም ስለ ዝወደቑ የማናይ ኢዶም ተቖጽዮም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሓሙስ ንግሆ ኣብ መንበሪ ገዛኦም ቅድስቲ ማርታ ከም ዝወደቑን፣ እንተኾነ ግን ወላ ሓንቲ መስበርቲ ከም ዘየጋጠሞም ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍንራንቸስኮ "ትማሊ ንግሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ መንበሪ ገዝኦም ስለ ዝወደቁ ኣብ የማናይ ኢዶም መቍጸይቲ ኣጋጢምዎም ኣሎ፣ ይኹን እምበር ዝኾነ መስበሪ ይኹን መንቃዕቲ ዓጽሚ የብሎምን" ክብል ኣመልኪቱ።
ኣስዒቡ እቲ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ቅዱስነቶም ንውሕስነት ጥዕናኦም ኢዶም የንቀሳቕሱ ከም ዘየለዉ ውን ገሊጹ።
ኣብ ከምዚ ኩነታት እኳ እንተ ተረኽቡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ዕለታዊ መደባቶም ኣይቦኸሩን፣ ንርክባቶምን ኣኼባታቶምን ክቕጽሉ ተርኺቦም ኣለዉ። ገለ ኻብዚ ድማ ምስታ ኣመሓዳሪት ኮሚተ ውሕስነት ምግቢ ዓለም ዝዀነት ኖሲፎ ናውስካ-ዣን ጀዚለ ተራኺቦም ኢዮም።
17 Jan 2025, 14:58