MAP

"Extremely Critical" Fire Conditions Return To Los Angeles "Extremely Critical" Fire Conditions Return To Los Angeles  (2025 Getty Images)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ፦ 'ልበይ ምስቶም ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝሳቐዩ ዝለዉ ሰባት እዩ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ረቡዕ፣ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ልቦም ምስቶም ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ካሊፎርንያ ዝርከቡ ስቓይ ዝበጽሖም ሰባት ከም ዘሎ ገለጹ፣ እታ ጠበቓ ኣመሪካ ዝዀነት ቅድስቲ ድንግል ማእያም ዘጓዳሉፐ ንዅሎም ተቐማጦ ኽተማልደሎም ጸልዮም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቃል ምሕጽንታ ርእስ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕንሪ ሓፈጻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዝኣት ካሊፎርንያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዘጋጠመ ኣዕናዊ ባርዕ ሓዊ ዝተጐድኡ ሰባት ጸሎት ክግበር ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት 'ልበይ ምስ ህዝቢ ሎስ ኣንጀለስ ኢዩ ዘሎ!" ብምባል ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ "ብሰንኪ እቲ ንብምሉኡ መንበሪ ገዛውቲ ናይቲ ኣብቲ ከባቦ ዝነብር ማሕበረሰብ ዘቃጸለ ባርዕ ሓዊ፣ ብዙሕ ስቓይ ወሪድዎም ኣላኦ" ድሕሪ ቢሎም ከምኡውን "ጌና ከም ዘይተወድኣ" ውን ኣፍልጦ ሃቡሉ።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም "ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፕ፣ ነዞም ሕዝቢ እዚኦም በቲ ኣብ መላእ ዓለም ፍሉጣት ዝኾኑሉ ብዝሓውነቶምን መሃዝነቶምን ኣቢሎም ናይ ተስፋ መሰኻኽር ምእንቲ ኪዀኑ ተማልድሎም" ክብሉ ውን ጸለዩ።

ኣቐዲሞም ዘቕረብዎ ምሕጽንታ

እቲ ባርዕ ሓዊ ዕንወት ካብ ዘስዓበሉን ሕይወት ብዙሓት ካብ ዝቐዘፈሉን ግዜ ኣትሒዞም ቅዱስ ኣቦና  ንህዝቢ ሎስ ኣንጀለስ ብተደጋጋሚ ይዝክርዎም ኢዮም ዘለዉ።

ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ውን ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ ቅዱስ ኣቦና ከምዚ በሉ - "ምስቶም ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ብኣዕናዊ ባርዕ ሓዊ ሓደጋ ዝወርዶም ዘሎ ተቐማጦ ሎስ ኣንጀለስ ካውንቲ ካሊፎርንያ ጥቡቕ ቅርበት ኣሎኒ - ምእንታኹም እጽሊ ኢየ ዘለውኹ" ውን ክብሉ ተማሕጸኑ። 

ዝሓለፈ ቀዳም ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ናይ ሰበኻ ሎስ ኣንጀለስ ሊቀ-ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሆሴ ጎመዝ ናይ ተሌግራም መልእኽቲ ጸሓፉሎም፣ ኣብኡ ኸኣ በቲ ኣብ ሰፈራታት ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ዚነድድ ዘሎ ባርዕ ብዘስዓቦ "ምጥፋእ ህይወትን" ከምኡውን "ሰፊሕ ዕንወትን" ዝተሰምዖም ዓሚቝ ጓሂኡ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም፣ ንብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጎሜዝን ነቶም በቲ ዘሕዝን ፍጻመ ዝሳቐዩ ዘለዉ ማሕበረሰብ ዘለዎም መንፈሳዊ ቅርበት ኣረጋገጸሎም፣ ንነፍሲ ናይቲ ዝሞተ ሰብ ከኣ "ናብ ፍቕራዊ ምሕረት ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ" ኣወፈይዎ፣ ነቶም ኣብ ሓዘን ዝርከቡ ዘለዉ ቤተሰብ ድማ ልባዊ ምጽንናዕ ክረኽቡ ጸለዩሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተመሳሳሊ ነቶም ናይ ህጹጽ ኣገልግሎት ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣምላኽ ምስኦም ክኸውን ጸለዩ፣ ንዅሎም ከኣ "ካብ እግዚኣብሄር ምጽንናዕን ብርታዐን ክረኽቡ ብምጽላይ" ሓውርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም።

ኣብ ሰፈራት ሎስ ኣንጀለስ ዘጋጠመ ባርዕ እንተ ወሓደ 28 ሰባት ቀቲሉ፣ ልዕሊ 15,000 ህንጻታት ኣዕንዩ፣ ኣስታት 63 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓቱ ከባቢታት ከኣ ኣንዲዱ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን የመላኽት ።

23 Jan 2025, 12:45