MAP

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ካሪታስ ኣመሓደርቲ፡ ጸዋዕታኹም ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበር ምግልጋል እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ካሪታስ ኣመሓደርቲ፡ ጸዋዕታኹም ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበር ምግልጋል እዩ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ካሪታስ ኣመሓደርቲ፡ ጸዋዕታኹም ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበር ምግልጋል እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመራሕቲ ናይቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ መንፈሳውን ሰብኣውን ትርጉም "ምሕላው" ብምጉላሕ፡ ክብሪ ሰብ ኣፍልጦ ምሃብን ንተቓላዕቲ ሰባት ምሕላውን ግዴታ ምዃኑ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ስልጠና ንዝተሳተፉ ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ናይቲ ብካሪታስ ዝጽውዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ግብረ ሰናይ ጨናፍር ኣመሓደርቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ናይ ሓልዮት ባህሊ ንምዕባይ ዝዓለመ መስርሕ ንምድልዳል ንዝገበርዎ ጻዕሪ ከምዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

NJልኻል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቋንቋ ስጳይና ኣብ ዝስምዕዎ መደረ፥ ብቋንቋ ስጳይና፡ "ምሕላው" ዝብል ቃል "ምእላይ፡ NJልኻል፡ ውሕስነት ምሃብ" ዝብል ተግባር ዘስምዕ ምዃኑ ገሊጾም፥ እንተዀነ ግን "ኣብ ግዜ ኲናት ኣዘዝቲ ሰራዊት ወተሃደራቶም ኣብ ዝኣትዉለን ከተማትን ኣብ ዝፍትሽዎ ኣባይትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መጉዳእቲ ከየውርዱ ምስ ዝህብዎ ትእዛዝ ዝሰማማዕ እውን ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ነዚ ሓሳብ እቲ  ነብዪ ህዝቅኤልን መጽሓፍ ራእይን፥ ጐይታ ንመልኣኹ "ኣብ ግምባር እቶም ብዛዕባ ዅሉ እቲ እተፈጸመ ርኹስ ነገራት ዝጉይዩን ዚበኽዩን ሰባት ምልክት መስቀል ግበረሎም" እንክብሉ ዝሃቦ ትእዛዝ ዘዘኻኽር እውን እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ብሓቂ ጐይታ ንልኡኻቱ፡ "ብዝተፈጸመን ወይ ውን ብዝወረዶም ብዙሕ በደላት፡ ዋላ'ውን ጽዩፍ ነገራት፡ እናነብዑን እናሓዘኑን ናብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትካል ረድኤት ዝመጹ ኩሎም፡ ምልክት ቡራኬ መስቀሉ ኣብ ግንባሮም ክንገብር ይሓተና" እንክብሉ ኣስተብሂሎም፥ ኣስዒቦም ድማ ነዚ ምልክት እዚ “ብተግባር” ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ምሉእ ህይወትና ዘጋጥመና ሰብ ክንፍጽሞ እንኮለና ኣብኦም ከም ኣሕዋት ብክርስቶስ ዘለዎም ክብሪ ምፍላጥ ማለት ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዓስቢ ኢየሱስ ንጻዕርኹም

እቲ ኹሉ ድማ ይብሉ ቅዱስነቶም "ነቲ ዘይገሃስን ዘይሕከኽን ንቕቡኣተይ ኣይትተንክፉ ዝብል ናይ ጐይታ ትሕዛዝ ብዘይቅድመ ኩነት ምሕቋፍ ማለት'ውን ምዃኑ ኣቢርሆም፥ በዚ መንጽር እዚ ምሕላው ሓልዮ ዝብል ቃል መለኮታዊ ተግባር ዝገልጽ እዩ፡ "ኣብ ግንባር ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ዝተጻሕፈን ከም መስትያት ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍናን ኣብ ተኣፋፍነትና ዝተኸተመ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ፡ ብንኣሽቱ ተግባራት ግብረ ሰናይን ሓልዮትን ኣቢልና መተሓላለፊ ፍቕሩ መታን ክንከውን” ድማ እዩ፥ “ነዚ ፍቕርን ሓልዮትን” ዘቕርቡ ንኹን ምስ በሉ፡ ኢየሱስ ንጻዕርታት እቶም ኣብኡ እተኣከቡ መራሕቲ ናይ ካሪታስ ጨንፈር፥ ዓስቦም ኪህቦም መንፈስ ቅዱስ ንዕዮኦም ኪመርሖን ካብታ እተባረኸት ቅድስቲ ድንግል ማርያም፥ "ንዅሎም ሰባት ክትከናኸንን እተዕቑብን ሓልዮትን ዑቕባን ክንመሃርን” ንጸሊ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 Jan 2025, 16:26