MAP

ር. ሊ. ጳ.፦ ቃል ኣምላኽ ሓጐስን ብርሃንን ይህበና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ትማሊ ሰንበት ኣብ መዓልቲ ቃል ኣምላኽ፣ ኣብ ዘዕረዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምእመናን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ መንፈስ ቅዱስ፣ ቅዱስ መጽሓፍ ብተደጋጋሚ ብምንባብ ንኢየሱስ ኣብ ህይወትናን ኣብ ሕብረተሰብናን ህያው ከም ዝገብሮ ብምዝኽኻር ቃል ኣምላኽ ከንብቡ ዓደምዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሻድሸይ ዓመት ሰንበት ቃል ኣምላኽ፣ ኣባ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ንኢዮቤል መራኸቢ መዘኻኸሪ ኣመልኪቶም "ወንጌል ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምብጻሕ ጕዕዞ ኣብ እንገብረሉ ሓባራዊ ተቐባልነትን ምሕዝነትን ንኽንረክብ ዝጽውዓና ቓል ሓጐስ ኢዩ" ክብሉ ኣስተንተኑ።

ፍረ ነገር ናይዛ ዓመት እዚኣ ሰንበት ቃል ኣምላኽ "ኣብ ቃልካ ተስፋ እገብር" ዝብል ኢዩ ዝነበረ። ኣብ እዋን መሥዋዕተ ቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ን40 ዝኾኑ ምእመናን ናብ ኣገልግሎት ኣንባብያን  ሾምዎም እዚኣቶም ድማ - 4 ካብ ኣልባንያ፡ 3 ካብ ኣርጀንቲና፡ 5 ካብ ኦስትርያ፡ 1 ካብ ብራዚል፡ 4 ካብ ፊሊፒንስ፡ 1 ካብ ኣይስላንድ፡ 6 ካብ ኢጣልያ፡ 5 ካብ ፖላንድ፡ 5 ካብ ስሎቨንያ ዝመጹ ኢዮም ዝነበሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ኣብታ ዝዓበየላ ኸተማ ናዝሬት ኣብ ዚርከብ ቤት ጸሎት ኣይሁ ከይዱ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘንበበሉ ኣጋጣሚ፣ ነቲ ካብ ወንጌል ሉቃስ እተወስደ ክፍሊ ቃል ኣምላክ ምርኩስ ብምግባር ኣስተንተኑ።

ሰንበት ቃል ኣምላኽ ምስ ኢዮቤል መራኸቢ ብዙሓን ከም ዚተሓሓዝ ውን ገለጹ፣ እዚ ድማ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ካብተን ንዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዝተሰናደዉ ሓያሎ መደባት እታ ቐዳመይቲ እያ።

"ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኩሎም ቅዱሳት ጽሑፋት ኣባኡ ፍጻሜ ዝረኽቡሉ ህያው ቃል እዩ" በሉ። ቅዱስነቶም ኣስዒቦም "ኣብዚ ናይ ዕለቱ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንሕና እቶም ምሳኡ ዝተረኸብና ኢና፣ ንሕና እውን ብኣድናቖት ልብናን ኣእምሮናን ከፊትና ጽን ንበሎ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ንቅዱሳት መጻሕፍቲ ምስማዕን ምርዳእን እኹል ከም ዘይኰነ ገለጹ። ኣብ ክንዳኡስ ቃል ኣምላኽ ናብ ልብና ኣትዩ ምእንቲ ኼሐድሰና "ከነስተንትኖን ከነድንቖን" ኣሎና በሉ።።

ወንጌል፡ ቃል ርሕራሐን ምሕረትን ብርሃንን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወሲኾም ብዛዕባ እቲ ፍሉይን ኣድማሳውን ዝዀነ ተልእኾ ክርስቶስ ዚገልጽ ሓሙሽተ ስጕምትታት ኣስተንተኑ ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ንድኻታት ብስራት ከበስሮም" ከም እተቐብአ ውን ገለጹ፣ እዚ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ቀሪባ ኸም ዘላ ዝሕብር ኢዩ።

ቅዱስነቶም ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል፣ ከምቲ ጐይታ ንህዝቡ ዝበጽሖም፣ ነቲ ኣብ ወንጌል ዝርከብ ናይ ግብረ - ሰናይ ተልእኾና ክንፍጽምን፣ ዕዳ ኻልኦት ይቕረ ኽንብልን ዝምሕጸነና "ቃል ርሕራሔ" ድማ የምጽኣልና በሉ።

ካልኣይ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቶም ብምድሓን እቲ መጺሕ ሓራ ንዝወጹ 'ምሩኻት ምውጻእ ሓራ' ንምእዋጅ እዩ መጺኡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዛ ወንጌል እዚኣ "ቃል ምሕረት" ኢሎም ብምጽዋዕ፣ እዚ ድማ "ናይ ሰላምን ሓድነትን ዕርቅን ርሕራሔን መሰኻኽር" ከም ዝገብረና ገለጹ።

ሳልሳይ፣ ኢየሱስ 'ንዕዉራት የዒንቶም ከም ዝኽፈት' ብምግባር፣ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብሓይልን ብኸንቱነትን ዝዓወረ ልብና ከም ዝኽፈት ይገብሮ ኢዩ።

"ወንጌል ናብ ሓቂ ዝዕድመና፣ ብዛዕባ እምነትና ኽንምስክርን ኣብ ተግባትና ጽኑዓት ክንከውንን ዝጽውዓና ቃል ብርሃን ውን ኢዩ" በሉ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓጐስን ሓርነትን

ራብዓይ፣ እቲ መሲሕ ንዅላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ ዚገብረናን፣ ንዅሉ ዓይነት ባርነት ስለ ዘርሕቐልናን ተልእኾ ኢየሱስ 'ንጭቁናት ሓራ ንምውጻእ' ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ወንጌል ንነፍሲ ወከፍና ናብ ንስሓ ክንኣቱን፣ ንጽህናና ንኽንሕሉን ከምኡውን ንኽንጸንዕ ዚዕድም "ቃል ሓርነት" እዩ።

ሓምሻይ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 'ዓመት ጸጋ ጐይታ ኺእውጅ' እዩ መጺኡ፣ እዚ ኸኣ ምስ ዓመተ ኢዮቤልን ከምኡ ውን ምስቲ ኣምላኽ ንህይወትና ብተስፋ ንኸነሐድሳ ዘቕረበልና ዕድመን ዝጋጠም እዩ።

"ወንጌል ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምብጻሕ ኣብ እንጕዓዘሉ ሓባራዊ ተቐባልነትን ምሕዝነትን ንኽህልወና ዝጽውዓና ቓል ሓጐስ ኢዩ።"

ክርስትያን ወትሩ ሰበኽቲ ወንጌል ኪዀኑ ኣለዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም፣ በዚ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ሓሙሽተ ተግባራት እዚ፣ ኢየሱስ ነቲ ኣብ ናዝሬት ኣብ ዚርከብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ዘንበቦ ትንቢት ኢሳይያስ ከም ዝተፈጸሞ ገለጸ።

ይኹን እምበር ልክዕ ከምዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ብዙሕ ውግኣትን መከራን እንርእዮ ዘለና፣ ድሕነት ክርስቶስ ገና ምሉእ ብምሉእ ክፍጸም ከም ዘይከኣለ ውን ገለጹ ።

ከምዚ ድማ በሉ - "እንተዀነ ግን ወንጌል ፈጺሙ ዘየሕፍን ህያውን ጸኒዑ ዝነብር ቃል ስለ ዝዀነ፣ ውግእ፡ ምጕዳል ፍትሒ፡ ስቓይ፡ ሞት ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ምድርን ታሪኽናን ናይ መወዳእታ ቓል ኣይኪህሉን እዩ።"

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንክርስትያናን ምእመናን ምእንቲ እቲ ንድሕነት ዓለም ሥጋ ዝዀነ ቃሉን፣ እሞ ናብ ዓለም ዝለኣኾምን ንኣምላኽ ኬመስግንዎ ዓደምዎም ።

"ጐይታ ኸም መሰኻኽሩ ዅሉ ሳዕን ኣብ ኵሉ ቦታን ክምስክሩ ከም ዝጸውዖም ደአ እምበር፣ ከምቶም ሱቕ ኢሎም ጥራይ ዝሰምዑ ኣይኮነን ዝጸውዓና" በለ። "ንምሩኻት ሓራ ኸም እነወጽእን፣ ንዕዉራት ምርኣይ እናኣበሰርና፣ ንጭቁናት ሓራ ብምውጻእ ዓመት ጸጋ ጐይታ እናኣወጅና ንድኻታት ብስራት ከነብጽሓሎም ቃል ንእተወሉ።"

27 Jan 2025, 16:03