ር.ሊ.ጳ. ሰንበት ዕለት 26 ጥሪ ዝበዓል መዓልቲ ቃል ኣምላኽ ምኽንያት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቤተ - ክርስትያን ኣገዳስነት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንምጕላሕ ዕለት 30 መስከረም 2019 ዓ.ም. ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተበገሰ በቢ ዓመቱ ተዘኪሩ ዝውዕል ሰንበት ቃል ኣምላኽ ምኽንያት ዕለት 26 ጥሪ ንሻድሻይ ግዜ ሰንበት ቃል ኣምላኽ ከተብዕል እያ።
ናይዚ ናይ ለምዘበን ንሻድሻይ ግዜ ዝበዓል ዘሎ ሰንበት ቃል ኣምላኽ መርሕ ቃል፥ ካብ መዝሙረ ዳዊት ዝተወስደ "ብቓልካ ተስፋ እገብር" ዝብል ምዃኑ፡ ዕለት 21 ጥሪ 2025 ዓ.ም. ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳያት ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ነቲ ኣጋጣሚ ንምብዓል ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ ከም ዝኾኑን ድሕሪ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅዳሕ ወንጌል ማርቆስ ነቶም ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝተሳተፉ ምመናን ክዕደል ምዃኑ የመላኽት።
ንምእመናን ኣብ መንፈሳዊ ዕብየት ምድጋፍ
ኣብቲ በዓል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ን40 ዓለማውያን ምእመናን - ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፥ 4 ካብ ኣልባንያ፡ 3 ካብ ኣርጀንቲና፡ 5 ካብ ኦስትርያ፡ 1 ካብ ቦሊቭያ፡ 4 ካብ ብራዚል፡ 5 ካብ ፊሊፒንስ፡ 1 ካብ ኣይስላንድ፡ 6 ካብ ኢጣልያ፡ 5 ካብ ሜክሲኮ፡ 1 ካብ ፖላንድ፡ 5 ድማ ካብ ስሎቨንን ዝመጹ ሲመተ ኣናጎስጢስ ክፍጽሙን ነፍሲ ወከፎም ድማ ካብ ኢድ ቅዱሰንቶም ሓድሽ ሕታም ምሉእ ቅዱስ መጽሓፍ ክቕበሉ እዮም።
ምእመናን ኣብ መንፈሳዊ ዕብየቶም ንምሕጋዝን ምስ ቃል ኣምላኽ ዘለዎም ምትእስሳር ንምዕማቕን፡ ኣብ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝርከብ ክፍሊ መሰረታዊ ሕቶታት ስብከተ ወንጌል ኣብ ዓለም፡ ብሽዱሽተ ቋንቋታት ዝተተርጎመ ብዛዕባ ስርዓተ ሊጡርጊያ መረዳእታ ዝህብ ሓዋርያዊ ጉስነት ብናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣቢሉ ከቕርብ እውን ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ መደብ እዚ ድማ ኣብ ማሕበረሰባት፡ ኣባይቲ ስድራን መዓልታዊ ህይወትን ምስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዕምቆት ንኽንራኸቡን ብዛዕባ ስርዓተ ሊጡርጊያ ዓሚቝ መረዳእታ ክህልዎምን ዝድግፍ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣስተንትኖታት፡ ንኣምልኾ ዝኸውን ጽሑፋትን ጉስነታዊ ለበዋታትን ዘጠቓልል እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ፒዛባላ፡ ‘ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንኣምላኽ ፍቕሪ የነቓቕሕ’
ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ብመሰረት ኣዋጅ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ካብ 2020 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥሪ ሻድሻይ ሰንበት ተዘኪሩ ዝውዕል መዓልቲ ቃል ኣምላኽ መሰረታዊ ትርጒሙ ብዕምቆት ዘብርህ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ናብ ምእመናኖም ከም ዘመሓላለፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ከመይ ጌርካ ኣብ ሊጡርጊያ ትሳተፍ
ሻድሻይ ሕታም ሰንበት ዕለት 26 ጥሪ ተዘኪሩ ዝውዕል መዓልቲ ቃል ኣምላኽ፡ ክርስትያን ኣብ እምነትን መንፈሳዊ ህይወትን ዕቤት ንኽህልዎም፡ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ መጋበርያ ብምዃኑ፡ ንኸንብብዎን ንኸስተንትንዎን ዘለዎም ተወፋይነት ንኸሐድሱን፡ ከምኡውን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ምንጪ ተስፋ ምዃኑ ንኸስተውዕሉ ኣጋጣሚ ዝኸፍተሎም ከም ዝኾነ ይሕብር።