MAP

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዕለት 19-01-2025 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዕለት 19-01-2025  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛ ዝተፈጸመ ውዕል ተዅሲ ምቑራጽ ዘለዎም ሞሳ ገልጹ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛ ዝተገብረ ውዕል ምቑራጽ ተዅሲን፣ ናብ ቃዛ ሰብኣዊ ናይ ግብረ ሰናይ ረድኤት ምብጽሑን ዘለዎም ሞሳ ገለጹ ። ከምኡ ውን ነቲ ሃገረ ኩባ ንእሱራት ብመንፈስ ዓመት ኢዮቤል ንኽፍትሑ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብዝወሰደቶ ውሳኔ ውን ምእመናን ኣድናቖቶም ክገልጹ ዓደምዎም፣ ብዛዕባ እታ ስዒባ እትመጽእ ዘላ ሰሙን ጸሎት ምእንቲ ክርስቲያናዊ ሓድነት ውን ዘከሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን፣ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ድሕሪ ምድጋሞም ኣብ ዝለገሱሎም ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ፡- ነቲ ሎሚ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ውዕል ተኹሲ ምቑራጽ ቃዛ፣ ክውን ንክኸውን እተገብረ ጻዕርን፣ ኸምኡውን ነቲ ሃገረ ኩባ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ብመንፈስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ንእሱራት ክትፈትሕ ዝወሰደቶ ውሳኔትን ኣመልኪቶም ልባዊ ምስጋናኦም ገለጹ ።

ስምምዕ ክኸብርን፣ ናብ ቃዛ ዝለኣኽ ሰብኣዊ ረድኤት ክቀላጠፍ ኣለዎ

ቅዱስነቶም ፈለማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛ እተገብረ ውዕል ምቑራጽ ተኹሲ ምልስ ብምባል፣ ነቶም ከም መንጐይናታትን ሽማግሌታትን ኮይኖም ዝጸዓሩ ኵሎምን፣ እቶም ነዚ ንምግባር ዝደኸሙን ሰባት ኣመስገንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ "እቲ እተሰማምዑሉ ብህጹስ በቶም ወገናት ክኽበር ኣለዎ፣" ከምኡውን ኵሎም እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ናብ ዓዶም ተመሊሶም፣ ነቶም ዘፍቅርዎም ቤተሰቦም እንደገና ክረኽብዎም ተስፋ ከም ዘለዎም ውን ገለጹ። ኣስዒቦም ድማ ቅዱስነቶም "ምእንታኦምን ምእንቲ ስድራቤቶምን ብዙሕ እጽሊ ኣሎኹ" በሉ።

ኣብ ርእሲ እዚውን ቅዱስነቶም እቲ "ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ" ሰብኣዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ረድኤት ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ናብ ቃዛ ክበጽሕ ጸልዮም፣ ቅድስቲ መንበር ኣብ መወዳእታ ነቲ ናይ መፍትሔ 'ክልተ መንግስታት' ንምትግባር ኣብ ምዕያይ ዘለዋ ኣቕዋም ድማ ደጊምዎ ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን "ንጹር ምልክታት" ተስፋ ኸም ዜድልዮም ኣትሪሮም ገለጹ። ኣብ መግለጺኦም ቅዱስ ኣቦና "ናይ ክልቲኡ ወገናት ፖለቲካውያን ሰበ-ስልጣን ብሓገዝ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንኽልቲአን መንግስታት ዝኸውን ቅኑዕ ፍታሕ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ እኣምን ኢየ" ብምባል ውን ኣተባብዑ።

ንዅሎም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ድማ በዚ ሰለስተ ሓሳባት እዚ ክጽልዩ ጻውዒት እንከቕርቡሎም "ኵሉ ሰብ ይዛተ፣ እወ ንዘተ፣ እወ ንዕርቂ፣ እወ ንሰላም " ክብሉ እን ተላበብዎም ።

ሃገረ ኩባ፣ 'ጭቡጥ' ተስፋ

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኩባ ካብ ቤት ማእሰርቲ 553 "ብእተፈላለየ ገበናት እተፈርዱ" እሱራት ከም እትፍታሕ ብምግላጽ፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ብዝገበረቶ ውሳኔ ከም እተሓጐሰ ውን ገለጹ። እዚ ውሳነ እዚ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ እዚ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ርእሰ ብሔር ሃገረ ኩባ ሚገል ዲያስ-ካነል ኣብ እተላእከት ደብዳበ ኢዩ ተገሊጹ፣ እዛ ደብዳበ እዚኣ እሱራት ናጻ ንኽወጹ "ብመንፈስ ዓመት ኢዮቤል 2025" ከም እተገብረ ውን ተመልክት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "እዚ ሓደ ካብቲ ዕላማታት ናይ ዓመት ኢዮቤል ዘንጸባርቕ ዓቢ ተስፋ ኢዩ" ብምባል ውን ነኣድዎ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም "ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ኣብ ጕዕዞ ሰባትን ህዝብታትን ምትእምማን ዘሕድር ከምዚ ዝኣመሰለ ተበግሶታት ምግባር ክንቅጽል ውን ተስፋ እገብር" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ንዓመተ ኢዮቤል 2025 ንምእዋጅ ዘውጽእዋ ናይ ኣዋጅ መልእኽቶም "መንግስትታት ተስፋ ንምምላስ ተበግሶታት ክወስዱ ሓሳብ ኣቕረቡ ፣ ውልቀ-ሰባት ኣብ ገዛእ ርእሶምን ኣብ ማሕበረሰቦምን እንደገና ምትእምማን ንኸሕድሩ ንምሕጋዝ ግብሪ ምሕረት ወይ ይቕረታ ክገብሩ፣ ኣብ ማሕበረሰብ እንደገና ናይ ሕብረትን ሓድነትን ውጥናት፣ እንተላይ ንሕጊ ንምኽባር ቈራጽነት ምግባር ዘጠቓልል" ምሕጽንታታት ከም ዘቕረቡ ዝዝከር ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ቅድሚ ምስንባቶም፣ ኣብዛ ስዒባ እተመጸ ዘላ ሰሙን፣ ታስዕቲ ጸሎት ምእንቲ ክርስትያናዊ ሓድነት ክካየድ ካብ ዕለት 18-25 ጥሪ ጀሚሩ ከም ዘሎ ብምዝኽኻር ውን ምእመናን በዚ ሓሳብ እዚ ክጽልዩ ተመሕጸኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣብዚ ክርስትያናዊ ሓድነት ንምህናጽ እንጽልየሉ ዘለና እዋን፣ ነቲ ኣብ መንጎ ዅሎም ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ዘሎ ኽቡር ውህበት፣ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣምላኽ ምልማን ኣይነቋርጽ" ብምባል ኣትሪሮም ተማሕጸኑ።

"ምእንቲ እታ ብውግእ እትሳቐ ዘላ ዩክረይን፣ ምእንቲ ፍልስጥኤም፡ እስራኤል፡ ምያንማር ከምኡውን ምእንቲ ዅሎም እቶም ብሰንኪ ውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ኵሉ ሳዕ ንጸሊ" ውን በሉ።

19 Jan 2025, 16:37