ር. ሊ. ጳ.፦ ኣመሓዳሪት ከተማ ቫቲካን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክትከውን ኢያ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ እዋን እዚ ዋና ጸሓፊት ምምሕዳር ከተማ ቫቲካን ኮይነን ዘገልግላ ዘለዋ፣ ክብርቲ እናቴ ራፋየላ ፔትሪኒ ካብ ወርሒ መጋቢት ዋና ኣመሓዳሪት ከተማ ኮይነን ክመርሓ ኢየን። እዚ ስያሜ ደድሕሪ እቶም ኣብዚ መዝነት እዚ ከገልግሉ ዝጸንሑ፣ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ቫርጌዝ ኣልዛጋ ተልእኾኦም ብምፍጻም፣ ብናይ ዕድመ ገደብ ጡረታ ኣብ ዝኣተኡሉ ዘለዉ እዋን ኢዩ ዝስዕብ ዘሎ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ምሸት እተቃልሐ፣ ምስ ናይ ኢጣልያ ተለቪዥን ኣብ መደብ Nove's Che tempo che fa፣ ምስ ግዜጠይና ፋቢዮ ፋዚዮ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ - መሕትት፣ ንክብርቲ እናቴ ፔትሪኒ ኣመሓዳሪት ከተማ ቫቲካን ኮይነን ክመርሓ ዘለዎም ሓሳባት ኣካፈሉ ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ብዙሓት ስደተኛታት ክጥረዙ ኢዮም ክብሃል ብዛዕባ ዝስማዕ ዘሎ ጥርጣሬታትን ዘለዎም ሓሳባት ውን ኣካፈሉ፣ ከምኡ ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛ እተፈጸመ ተኹሲ ናይ ምቍራጽ ውዕል እውን እተሰምዖም ክሕጐስ ገለጹ፣ ኣብ ርእሲ እዚ ውን እቲ ናይ ክልተ መንግስታት ውጥን መፍትሔ ክኸውን ተስፋ የርኢ ከም ዘሎ ገለጹ።
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ንስደተኛታት ሓንጐፋይ ኢልካ ምቕባልን፣ ብዛዕባ እዚ እነሕልፎ ዘሎና ዓመተ ኢዮቤልን፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሮማ ቅዱስ ኣፍ ደገ ክኸፍቱ ዝወሰድዎ ውሳኔን፣ ብዛዕባ ዓመጽ ንምቅላስ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርን ከምኡውን ብዛዕባ ጥዕናኦምን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕረቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣቐዲሞም ኣብ ዓመተ 2022 ደጊሞም ውን ኣብ ዓመተ 2024 ምስ መደብ Che tempo che fa ቃለ - መሕትት ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ ።
ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዕለት 19 ጥሪ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ዝካየድዎ ሓድሽ ቃለ-መሕትት፣ ነታ ብሞንዳዶሪ እተሓትመትን፣ ብግዜጠይና ካርሎ ሙሶ እተሰናደወትን፣ ኣብ 100 ሃገራት ተዘጊሓ ዘላ፣ ባዕሎም ቅዱስነቶም ዝጸሓፍዋ ታሪኽ ህይወቶም እተዘንቱ መጽሓፍ፣ ብዕሊ ንምፍላጥ ውን ጽቡቅ ኣጋጣሚ ዀይኑ ኢዩ።
ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ ታሪኽ ህይወቶም ናይ ምጽሓፍ ዕዮ፣ "ኣዝዩ ተነቃፊ" ዕማም ብምባል ገለጽዎ፣ እዚ ድማ "ትርጉም መንነተይ ንዝገልጽ" ሓያሎ ዛንታታት ዝሓቘፈ ክንዲ ዝኾነ ኢዩ ውን ይብሉ።
ክብሪቲ እናቴ ፔትሪኒ ኣመሓዳሪት ከተማ ቫቲካን ከም ዝሽየማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ንግሆ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ብምውዳቕ ዘጋጠሞም መቑጸይቲ፣ ንተዓዘብቲ "ይሕሸኒ ኢዩ ዘሎ!" ብምባል ብዛዕባ ዅነታት ጥዕናኦም ኣመልከቱሎም።
ኣስዒቦም ድማ ክብርቲ እናቴ ራፋኤላ ፔትሪኒ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚረን ኣመሓዳሪት ከተማ ቫቲካን ከም ዝኾና ውን ኣፍለጡ ።
ክብርቲ እናቴ ሲሞና ብራምቢላ ኣቐዲመን ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሰብ ውፉይ ሕይወት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኮይነን ድሕሪ ምስያመን፣ ስዒቡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ መሪሕነት ፍሉይ ቦታ ከም ዘለዋ ዚሕብር ካልእ ኣገዳሲ መዝነት እውን ኢዩ።
"ተልእኾ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩርያ ሮማና፣ በብቝሩብ ግን ከኣ ብውጽኢታዊ መገዲ ዕቤት ይገብር ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ብዙሓት ይሳተፋ ኣለዋ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣዘኻኸሩ።
ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንደቂ ኣንስትዮ እተዋህበን ግደ ኺዝርዝሩ እንከለዉ "ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቫቲካን፣ እተን ዋና ጸሓፊት ዝነበራ፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ዋና ኣመሓዳሪት ዝኾና ዘለዋ ሓንቲ ድንግል እየን. . . ደቂ ኣንስትዮ ኻባና ብዝሓሸ መገዲ እየን ዚመሓደራ" ድማ በሉ።
ሕ. መ. ኣ. ብዙሓት ስደተይናት ክትጥርዝ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኣርእስቲ ስደተይናታት፣ ደድሕሪ እቲ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ እተመርጸሉ እዋን፣ ብጃምላ ኺጥረዙ ኸም ዚኽእሉ ዝስማዕ ዘሎ ቤላቤለው፣ ብዛዕባ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንዝተላዕሉ ሕቶታት ውን ሓሳባቶም ኣካፈሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመ "ውርደት" ብምባል ኢዮም ክገልጽዎ ዝደለዩ፣ ከመይሲ "ነቲ ዘይሚዛናውነት ሕብረተሰብ፣ ድኻታት ዋጋ ከም ዝኸፍሉሉ ዝገብር ኢዩ።"
ንስደተኛታት ምቕባልን እናነከየ ዚኸይድ ዘሎ መጠነ ውሉድን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስደት እንክገልጹ፣ ነዚ ህጹጽ ኵነታት ንምፍታሕ ዝጠቕስዎም "ኣርባዕተ ግስታት" ኸም ብሓድሽ ገለጹ። ንስደተኛታት ሓንጐፋይ ኢሎም ኪቕበልዎም፡ ኬሰንይዎም፡ ኬተባብዕዎምን ከምኡ ውን ክተሓባበርዎ ኣለዎም" በሉ።
ነቲ ኣብ ኢጣልያ ተበጺሑ ዘሎ ገምጋም ዕድመ ፣"46 ዓመት" ምዃኑ ብምጥቃስ እውን፣ ብዛዕባ እቲ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ውሉድ ውን ዘለዎም ሻቕሎት ኣካፊሎም።
"ውሉድ እንተ ዘይብልኩም፣ ንስደተኛታት ክትቅበልዎም ኣሎኩም" በሉ ።
ፍታሕ ክልተ መንግስታት ዘለዎ ኣገዳስነት ንሰላም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እተካየደ ተኹሲ ናይ ምቍራስ ውዕል እውን ኣመልኪቶም ዝለዎም ሓሳባት ኣካፈሉ፣ ኣብ ቃዛ እቲ ውግእ ደው ከም ዝበለን ሰለስተ ተቂኣንስትዮ ካብቶም ብጉጅለ ሃማስ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ናጻ ከም ዝወጻ ውን ጠቐሱ።
ከምቲ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣቐድም ኣቢሎም ቅዱስነቶም ኣብ እዋን ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዝገለጽዎ ነቶም ነቲ ውግእ ደው ንምባል ዝጸዓሩ ሽማግሌታትን መንጐይናታትን "ሕያዎት ሰባት" ብምባል ምስጋናኦም ገለጹሎም።
ድሕሪኡ ብዛዕባ እቲ ፍታሕ ክልተ መንግስትታት ዘለዎም ብዛዕባ ዘለዎ ኣገዳስነት ተዛረቡ። "እዚ እቲ እንኮ መፍትሒ ኸም ዝዀነ እየ ዝኣምን። ገሊኣቶም ነዚ ፍቓደኛታት ኢዮም፣ ገሊኣቶም ግን ፍቓደኛታት ኣይኰኑን" ብምባል ወሲኾም ውን "ሰላም ካብ ውግእ ይበልጽ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሰላም ንምስዓብ ዘድሊ ትብዓት ውን ኣስመሩሉ ኣብ ሰላም "ሓድሓደ ግዜ ገለ ነገር ትስእን ኢኻ፣ እንተዀነ ግን ካብኡ ንላዕሊ ኢኻ እትረክብ" ውን በሉ።
ብኣንጻሩ ውግእ ወትሩ "ስዕረት" ምዃኑ ኣትሪሮም ተዛረቡ፣ ኣገዳስነት ናይ ዘተን ምድርዳርን ከምኡውን ነቲ እቶም "ጥፍኣት" ዘጐሃህሩ ኣፍረይቲ ኣጽዋር ዝረኸብዎ "ዓብዪ" መኽሰብ ምዅናንን ኣድላይነት ከም ዘለዎ ውን ገለጹ።
ንእሱራት ኣይትረስዓዮም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ብዛዕባ እቲ ቐንዲ ፍረ ነገር ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዝዀነ ተስፋ እንክገልጹ፣ "ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ መልህቕ" ክብሉ ብምጽዋዕ፣ ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሪቢብያ ሮሜ ቅዱስ ኣፍደገ ኣብ እተኸፍተሉ እዋን ኣብ ስብከቶም ዘስተንተኑሉ ሓደ ምሳሌ ውን ኣካፈሉ።
ነዚ ቕድሚ ሕጂ ተገይሩ ዘይፈልጥ ምኽፋት ቅዱስ ኣፍደገ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለምንታይ ከም ዘካየድዎ ውን ገለጸሉ፣ “ከመይሲ ወትሩ እሱራት ኣብ ልበይ ሒዘዮም ኢየ ዝጕዓዝ” ብምባል ድማ ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ተማሕጸኑ -" ንእሱራት ኣይትረስዕዎም ፣ ብዙሓት ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘሎና ካባታቶም ንላዕሊ በደለይናታት ኢና።"
ሕፍረትን ጓህን ናይቲ ብናዚ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት
ቀቅድሚ እታ ብዕለት 27 ጥሪ እትዝከር ኣህጉራዊት መዓልቲ ዝኽሪ ጃምላዊ ቕትለት ኣይሁድ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በቲ ዘሕዝን ፍጻመ "ድንጋጽን ሕፍረትን" ከም ዝስምዖም ገለጹ።
ነቲ ብ2016 ዓ.ም. ናብ ኦሽዊትዝ ዝገበሮ ምብጻሕ ውን ዘከሩ፣ ነዚ ድማ ብትርኻ ዛንታታን፣ ፊልምታትን ከምኡ ውን ብምስክርነት ናይታ ነቲ ጃምላዊ ቕትለት ብዓይና ዝረኣየት ጓል 92 ዓመት ሃንጋሪዊት ገጣሚት ኢዲት ብሩክ ብምክፋል ነቲ ኩነታት ክሙከርዎ ክኢሎም ኢዮም።
ዓመጽ፣ መንእሰያት፣ ሓጢኣት
እዚ ቃለ-መሕትት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ነቲ ቅዱስነቶም "ብሓይሊ ኽንቃለሶ ዘሎና ኣዝዩ ዓብዪ እከይ" ክብሉ ዝጸውዕዎ ዓመጽ እውን ሓዊስካ ካልእ ጕዳያት እውን ዝሽፍን ኢዩ ዝነበረ።
ብዛዕባ እቶም "ከሰንይዎም" ዘለዎም መንእሰያት ዘጋጥሞም ብድሆታትን ከምኡውን ብዛዕባ ሓጢኣት "መላእኽቲ" ከም ዘይምዃኑም ወይ ኣብ ሥጋዊ ሓጢኣት ካብ መጠን ንላዕሊ ዘተኵሩ ምዃኖም ውን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ "ገሊኦም ኣብ ኑዛዜ ነዚ ኩነት እዚ ዅሉ ሳዕ ሃሰስ ክብሉ ኸለዉ ብዛዕሚ ኢዩ ዘፈንፍነኒ" ውን በሉ። "ይቕረ ዘይበሃለሉ ሓጢኣት የልቦን፣ ዋላ ሓንቲ የለን ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ንዅሎም ምስኡ ዘለዉ፣ ኸም ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኮይኖም ክነብሩ ኢዩ ዝደሊ" በሉ።
ኣብ ቤት ጸሎት ሲስቲን ዘጋጠሞም "ቀዳማይ እንቅፋት"
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ደድሕሪ ምርጫኦም ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብኡንብኡ ንሓደ ካርዲናል ኣብ ብሽክለታ ስንኩላን ዝነበሩ ሰላም ክብልዎም ናብኦም እንክኸዱ ኣብ ቤት ጸሎት ሲስቲን ኣብ ዘሎ መሳልል ዘጋጠሞም "ቐዳማይ ዕንቅፋት" ብምሳሌ ጌሮም ሓደ ዋዛ ኣካፈልዎም። "እቲ ዘይጋገ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስጉምትታቱ ብዕንቅፋት እዩ ጀሚሩ።”
እቲ ቃለ-መመሕትት ኣብ ምዝዛሙ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕብ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ሓደ መሕትት ኣቕረቡ። "እዚ ኣጋጣሚ እዚ ሱቅ ኢሊ ኺሓልፍ ኣይተፍቅደሉ" በሉ። "ብትብዓት ንቕድሚት ክትግስግሱ ጽዓሩ። ነቲ ተዋዛይቲ ምዃንኩም እውን ከቶ ኣይተጥፍእዎ።"