ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ክነታዊ መንነትና ክንሕልዎ ኣሎና'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሓሙስ ነቶም ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዘርኣ ክህነት ዝመሃሩ ዘለዉ ኣርጀንቲናዉያን ተመሃቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን፣ ክህነታዊ መንነትና ብጽኑዕ ክንሕልዎ ከም ዘሎና ምሕጽንታ ኣቕረብኮም።
ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን ኣብነት ናይቲ ኣርጀንቲናዊ ቅዱስ ሆሴ ጋብሪኤል ደል ሮዛርዮ ብሩቸሮ ብዝበለጸ ድማ "ካህን ጎቾ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወዲ ዓዶም ብምጥቃስ መዓድዎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፈንቸስኮ ብ2016 ዓ.ም. ቅድስና ብሮቸሮ ኣብ ዝኣወጁሉ፣ ቅዱሳን ህይወቶም ንጐይታ ብኸመይ ከም ዝውፍዩ ኣብነት ክኾኑና ከም ዝግባእ ምስክርነቶም ኣካፈሉ።
ቅዱስነቶም ንተወከልቲ እዚ "ኮሌጆ ኣርጀንቲና" ኣብ ዘመሓልለፍዎ መደረ "ጸዋዕታና መመላእታ ወይ ንዕላማ ካልኦት ዝውዕል መሳርሒ ኣይኮነን" የግዳስ "ኣምላኽ ንህይወትና ዘለዎ መደብን፣ ኣምላኽ ኣባና ካባና ዝጽበዮ ኩነትን፣ ንሱ ንዘርእየና ፍቕራዊ ጠመተ ዜለዓዕል እዩ " በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም "እዛ ፍቕሪ እዚኣ፣ ኣምላኽ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ እያ" በሉ።
ምሉእ ወፈያ ገዛእ ርእስና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካህናት በዚ ኸምዚ ነቲ ሓቀይና መንነቶም ከም ዝኾንዎ ብምግላጽ፣ ነቶም ኣባኡ ዝተረኽቡ ካህናት ብኣገልግሎቶም ኣቢሎም ንኣምላኽ መስዋእቲ ኬቕርቡሉን፣ ንምድሓን ኻልኦት ኪዓዩ ምሉእ ወፈያ ጋዛእ ርእሶም ከቕርቡን ተማሕጸንዎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘምዕዎም ቃለ ምዕዳን ካህናት ንውሽጣዊ ህይወቶም ኪከናኸኑ፣ ብዝበለጸ ድማ ነቲ "ናይ ህይወት ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ህያው ጌርና” ብትሕትና ክንዕቅቦ ኣሎና፣ ከምኡውን ክህነታዊ ሕውነትና ምሕላው ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሑ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም "ምስ ካህናት ኣሕዋትና" ንዝለና ዘበለ ዅሉ ምስኣቶም ናይ ምክፋል ባህጊ ክህልወናን ካልኦት ኪእርሙና ኸለዉ ሓንጐፋይ ኢና ክንቅበል ኣሎና ክብሉ ውን መዓድዎም። ኣብ ርእሲ እዚውን ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደምደምታ ቃለ ምዕዳኖም ዓሚቝ ጥንቃቐ ዘለዎ ናብራ ንኽነብሩ ብምምሕጻን ብቕንዕና እንተ ዘይተመላሊሶም ኩነቶም ጉዳያት ክፈጥረሎም ከም ዝኽእል ውን ኣምልከቱሎም።
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ብሩቸሮ ሓደ ዕሽሽ ክብልዎ ዘይብሎም ነገር ብምዝኽኻር፣ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ክህነታዊ ህይወት ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘለዎ ኣጕልሑ፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ድማ ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን፣ ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴናን ኣወፈይዎም።