ታሪኽ ህይወት ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ እተዘንትው መጽሓፍ ' ኣብ 80 ሃገራት ድሮ ንንባብ በቒዓ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሃንቀውታ ንጽበያ ዝነበረት ታሪኽ ህይወቶም እተዘንትው ‘ተስፋ’ ዘርእስታ መጽሓፍ ዕለት 14 ጥሪ ኣብ 80 ሃገራት ንንባብ ከም ዝበቐዓትን እዛ መጽሓፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብመንገዲ ቤት ማሕተም ራንደም ሃውስ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ብመንገዲ ቤት ማሕተም ቫይኪንግ ንተጠቀምቲ ቋንቋ እንግሊዘይና ከም ዝቐረበት ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ቀዳማይ ታሪኽ
ቤት ማሕተም ራንደም ሃውስ ቅድሚ እታ መጽሓፍ ንንባብ ምብቅዓ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እታ መጽሓፍ ቅዱሰንቶም ብሕይወት እንከለዉ ዘይኮነስ ከም ድላይ ኣምላኽ ድሕሪ ሕልፈቶም ክትሕተም መደብ ከም ዝነበረ ክሕብር እንከሎ፡ ይኹን እምበር ምስ ኣጋጣሚ ናይ ኢዮቤል ዓመት ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብምትእስሳር፡ እታ መጽሓፍ ኣብ ምጅማር ቅዱስ ዓመት ክትዝርጋሕ ከም እተወሰነ ይሕብር።
ፍራንቸስኮ ውልቃዊ ስእልታቶምን ዘይተሓተሙ ጽሑፋቶምን የቕርቡ
እዛ መጽሓፍ እዚኣ በቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ባዕሎም ብብሕቲ ዘዳለዉዎ ናይ ብሕቲ ዀነ ዘይተሓትመ ጽሑፋት ሓዊስካ ዘደንቕ ስእልታት ዝሓዘት ኮይና፡ እዚ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት እተጻሕፈ ሰፊሕ ታሪኽ ህይወት ኣብ መጀመርታ መበል ዕስራ ዘመን ዝጅምርን እዞም ኢጣሊያናዊ መበቆል ዘለዎ ናብ ላቲን ኣመሪካ ካብ እተሰደት ስድራ ቤት ዝተወልዱን ኣብ ግዜ ቍልዕነቶም ውዕዉዕ ስምዒትን ሻቕሎትን ጸዋዕታኦምን ክሳዕ እዚ ግዜናን ታሪኽ ህይወቶም እተጠቓልል መጽሓፍ እያ። ቅዱስ ኣቦና ዝኽርታቶም ብምዝንታው፡ ኣብ ር.ሊ.ጳ ምዕባለታት፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣምር ጾታዊ ርክብን ዝምልከት ሓሳቦም ዘንበሩላ መጽሓፍ እያ።
ዛንታን መዘኻኸሪታትን
ቅዱስ ኣቦና ተዘክሮታቶም እንከዘንተዉ ብዛዕባ ከም ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘሕለፍዎ ዘለዉ ወሳኒ እዋናትን ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ኣገዳስን ኣከራኽርን ጕዳያትን ይገልጹ፡ ገለ ካብዚ ኸኣ ንዓለም ዜሳቕያ ውግኣት መጻኢ ቤተ - ክርስትያንን ሃይማኖትን ማሕበራዊ ብዛዕባ ስደትን ስደተይናታትን ዝምልከት መምርሕታትን ኣከባብያዊ ቕልውላው ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮን እደ ጥበባዊ ምዕባለታትን ጾታዊ ስምዒት ኣብ እዋናዊ ዓለም ዝምልከቱ ኣርእስታትን ኣብ ርእሲ እዚ እታ "ተስፋ" እትብል ቃል ብዙሕ ራእያትን ታሪኽን ተዘክሮታትን ዝትንክፉ ሓሳባትን ዝሓዘት እያ።
ቤት ማሕተም ራንዳም ሃውስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፥ እታ መጽሓፍ ስምዒታውን ኣዝዩ ሰብኣውን ተዘክሮታት እተጠቓልልን ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ዘስሕቕ ዛንታታት ዝሓዘትን ኮይና ኮታ ናይ ቅዱስነቶም "ናይ ምሉእ ህይወት ታሪኽ" ንንባብ እተቕርብ ምዃኑ ሓቢሩ፡ ኣብ ርእሲ እዚውን እታ መጽሓፍ "ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣንበብቲ ዝማርኽ ልቢ ዝትንክፍ ስነ - ምግባራውን መንፈሳውን ምስክርነት ከምኡውን ር.ሊ.ጳ. ንመጻኢ ወለዶታት ዘውረስዋ ተስፋ” እትውክል ምዃና የመላኽት።